ልኡኽ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ

ልኡኽ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 16 August 2018

asmrልኡኽ ክልል ኣምሓራ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ፋና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እቲ ልኡኽ፣ ትማሊ 15 ነሓሰ ናብ ኣስመራ ከምዝኣተወ ክግለጽ እንከሎ፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ካልእ ጉዳያትን ብዝምልከት ክዘራረብ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝርከቡ ጉዳይ ናይ ኣምሓራ ተቓወምትን ካልእ ነጥብታትን’ውን ክዘራረብ ከምዝኽእል ይግመት።

ኣቐዲሙ፣ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሞ ኣቶ ለማ መገርሳ ዝመርሖ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ተቓወምቲ ኦሮሞን ከምዝዘተየ ይዝከር።

==================== 

 

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0