ልኡኽ መንግስቲ ፊንላንድ፣ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ኩነታት ስደተኛታት ዘተኮረ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርርብ ኣካይዱ

ልኡኽ መንግስቲ ፊንላንድ፣ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ኩነታት ስደተኛታት ዘተኮረ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርርብ ኣካይዱ

Radio Erena: January 13, 2014

 

Eri Fin

ልኡኽ መንግስቲ ፊንላንድ ኣብ ጉዳይ ህሉይ ሰብኣዊ ኩነታትን ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዘተኮረ ዝርርብ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርርብ ኣካይዱ።

ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ምዕባለን ፊንላንድ ፔካ ኣቪስቶ ካብ 9 ክሳብ 10 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምትኳር ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቲ ዑስማን ሳልሕን ክዘራረብ ምዃኑ’ዩ ኣቐዲሙ ዝተዘርግሐ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ዝሕብር።

 

ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ፊንላንድ ነቲ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ኣጋጢምዎ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ከም መንጎኛ ኮይኑ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝምድንኡ ንኸደልድል ክሕግዞ ምዃኑ’ውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ ኣሎ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ላምፔዱሳ ዘጋጠመ ህልቂት ልዕሊ 350 ኤርትራውያን፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንጉዳይ ሰብኣዊ ኩነታት ኤርትራ ብሓፈሻ ንኩነታት ስደተኛታት ድማ ብፍላይ ብዕምቖት የጽንዖ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ፣ ማዕከን ዜና መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ኣውራ ዛዕባ ናይቲ ኣብ መንጎ ልኡኽ መንግስቲ ፊንላንድ ፕርዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ዝተኻየደ ዝርርብ ብምጉሳይ፣ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጉዳይ ልምዓትን ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ምይይጥ ከምዘካየዱ ጥራይ’ዩ ጠቒሱ።

ምንጪ ስእሊ-ሻባይት.ኮም

===============================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0