ልኡኽ መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ሱዳን ምስጢራዊ ምብጻሕ ከምዘካየደ ተገሊጹ

Radio Erena: 04 April 2022

ልኡኽ መንግስቲ እስራኤል፣ ናብ ሱዳን ምስጢራዊ ምብጻሕ ከምዘካየደ፣ ንምንጭታት ዜና ብምጥቃስ ዮርሳሌም ፖስት ሓቢሩ።

እቲ ኣባላቱ ዘይተነጸረ ልኡኽ መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ካርቱም ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ምስ ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ብምርኻብ ተመያይጡ።

ጎኒ ጎኒ ዑደት ልኡኽ መንግስቲ እስራኤል ናብ ሱዳን፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን’ውን ናብ እስራኤል ከምዝበጽሐ ኣልሻርቕ ኣል ኣውሰጥ ገሊጹ።

ዕላላ ዑደት እቶም ልኡኻት፣ ኣብ መንጎ እስራኤል ሱዳንን ተጀሚሩ ዘሎ ዝምድና ዝዓምቝሉን፣ ዝተሓጋገዙሎም ጽላታት ድማ ኣብ ምንጻር ዘተኮረ ምዃኑ ‘ዩ ተመልኪቱ።

እስራኤል፣ ኣብ 2020 ሕቡራት ኢማራት ምስ እትርከበን ኣርባዕተ ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ዝምድና ድሕሪ ምምስራታ፣ ልኡኻታ ናብ ሱዳን ተደጋጋሚ ምስጢራዊ ምብጻሕ የካይዱ ከምዘለው ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እታ ሃገር፣ ናይ ቀጻሊ ጠመተ ዝምድናኣ፣ ኣብ ክሊ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝርከባ ስዑዲ ዓረብን ጂቡቲን ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ ይእምቱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0