ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ጅቡቲን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዶባት ብዛዕባ ዘሎ ጸጥታውን ወትሃድራውን ኩነታት ዘትዮም

ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ጅቡቲን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዶባት ብዛዕባ ዘሎ ጸጥታውን ወትሃድራውን ኩነታት ዘትዮም

Radio Erena: 12 May 2016

Dj Eth

ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ጅቡቲን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዶባቶም ከጋጥም ንዝኽእል ጸጥታዊ ኩነታት ብሓባር ንምግጣሙ ዘኽእሎም መዘክር ከምዝኸተሙ ዲፕሎማሲያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣኼባ፣ ካብ ወገን ኢትዮጵያ ሚኒስተተር ምክልኻል ሲራጅ ፈጌሳን ጠቓላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ሳሞራ ዮኑስን ዝርከብዎም ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ክርከቡ እንከለዉ፣ ብወገን ጅቡቲ ከኣ ሚኒስተር ምክልኻል ሓሰን ድራርን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ዘካርያ ሸኽ ኢብራምን ካልኦትን ተሳቲፎም።

እቲ ብ28 ሚያዝያ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ርክብ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን፣ ኣብቲ ንኤርትራ፣ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ዘዳውብ ከባቢታት ብዛዕባ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ተዘትይሉ።

 

ሚኒስተራት ምክልኻል ክልቲኤን ሃገራት ከኣ ነቲ ናይ ወትሃደራውን ጸጥታውን ናይ ምትሕግጋዝ መዘክር ከምዝኸተምሉ እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ኣቐዲሙ’ውን ሓለቓ ስታፋት ሰራዊት ክልትኤን ሃገራትን ሓለፊ ጸጥታን ጥራይ ዝተሳተፍዎ ኣብ ህሉው ወትሃደራዊ ኩነታት ክልቲኤን ሃገራት ዘተኮረ ዝርርብ ከምዝተኻየደ ኣፍሊጦም።

ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጅቡቲ፣ ወትሃደራውን ጸጥታውን ዓቕማ ኣብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ዝተሞርኮሰ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

እዛ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት ፈረንሳ ዝጸንሐት ጅቡቲ፣ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2008 ምስ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ራስ ዱሜራ ዘጋጠማ ምስህሓብ፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወትሃደራውያን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ተጸሚዳ ትርከብ።
=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0