“ትሕቲ ዕድመ’የ” ኢሉ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተተ ኤርትራዊ፣ ብፈተነ ጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሱ

“ትሕቲ ዕድመ’የ” ኢሉ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተተ ኤርትራዊ፣ ብፈተነ ጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሱ

Radio Erena: 11 May 2016

teen

ማዕከን ዜና ደልይሊ መይል ኣብ ናይ 10 ግንቦት ትሕዝትኡ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ መሰረት፣ እቲ ወዲ 15 ዓመት’የ ኢሉ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቱ ምስ ካልኣዩ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ስድራ ክእለ ዝተወሰነሉ ኢሳቕ ዓንዳይ ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ኣባል እቲ ተዓቝብሉ ዝነበረ ስድራ ንዝኾነት ጓል 10 ዓመት ቆልዓ፣ ጾታዊ ዓመጽ ከካይድ ፈቲኑ ተባሂሉ’ዩ ተኸሲሱ።

እታ ስማ ዘይተጠቕሰ ጓል 10 ዓመት ቆልዓ፣ ደቂሳ እንከላ፣ ኢሳቕ ዓንዳይ ኣካላታ ብሓይሊ ክድህስስ ድሕሪ ምጅማሩ ብዝተሰምዓ ቃንዛ ድሕሪ ምብርባራ፣ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ንስድርኣ ሓቢራ።

“ትሕቲ ዕድመ’የ” ኢሉ ዑቕባ ንዝሓተተ ኤርትራዊ ስደተኛ ክትኣሊ ሓለፍነት ዝወሰደት፣ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን፣ ጥቓ ከተማ ማልመ፣ ኤስሎቭ ኣብ ዝተባህለ ቦታ እትነብር ስድራ፣ ብኡ ንብኡ ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምሕባሮም ከኣ ኢሳቕ ዓንዳይ ብፈተነ ጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሱ።

 

ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ኣብ ዘጻርየሉ፣ ኢሳቕ ዓንዳይ ንመንነቱ ይኹን ንዕድሚኡ ዝገልጽ ሰነዳቱ ብመንገዲ ሊብያ ኣብ ዝመጸሉ ዝነበረ እዋን ከምዝጠፍኦ እኳ እንተሓበረ፣ ብዝህቦ ዝነበረ ቃል ምስክርነት ግና ዕድምኡ ክሳብ 19 ከምዝበጽሕ’ዩ ተገምጊሙ።

ቤት ፍርዲ ነቲ ኩነታት ብምጽራይ 500 ኤውሮ ነታ ግዳይ ክኽሕስን፣ 10 ሰዓታት ከኣ ናይ ተሃድሶ ሕክምና ክግበረሉን ወሲኑ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ካብ ዝሓቱ ዘለዉ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፣ ብዙሓት ካብቶም ትሕቲ ዕድመ እኳ እንተኾኑ፣ በብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣስማትን ዕድመን እናቐያየርካ ዑቕባ ምሕታት ግና ዝውቱር ምዃኑ ይፍለጥ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0