ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ኡጋንዳ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም

ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ኡጋንዳ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 13 May 2015

Bashir in Uga

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልብሽር ኣብ ኡጋንዳ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ትማሊ ሓሙስ 11 ግንቦት ናብታ ሃገር ኣትዩ።

ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ኣልብሽር ናብ ኡጋንዳ ብንጹር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ኣብ ጉዳይ’ቲ ምስ ኡጋንዳ ዘሰሓሕባ ምሕብሓብ ሓድሕድ ተቓወምቲ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዩዌሪ ሙሴቬኒ ንምዝርራብ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ይእምቱ።

ሱዳንን ኡጋንዳን ብጉዳይ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝሰሓሓባ ነዊሕ ዓመታት ኣቑጸርን’የን።

 

ኡጋንዳ ንተቓወምቲ ደቡብ ሱዳንን ዳርፉርን ትድግፍ’ያ ክብል መንግስቲ ኣልበሽር ክወቕስ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ብወገኑ፣ ሱድና ነቲ ብጆሴፍ ኮኒ ዝምራሕ ዕጡቕ ጉጅለን ካልኦትን ተቓወምቲ ኡጋንዳ ከምእተዕቑብ ይገልጽ።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ካርቱም ብምርኻብ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ከምእተዘራረቡ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ልዕሊኡ ንዝተመሓላለፈ ኣብ ዝገሸሉ ሃገር ተታሒዙ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ንዝብል ጻውዒት ብምጥሓስ’ዩ ናብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዑደት ዘካይድ ዘሎ።

ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ከምዘይተቐበልኦ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ፣ ንመበል ሻድሻው እዋኑ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ንምቕጻል ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0