ላዕለዎት ሓለፍቲ ደምህትን ኤርትራን ተራኺቦም

ላዕለዎት ሓለፍቲ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ ደምህት ምስ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ ባረንቱ ርክብ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

    ደምህት ኣብ ከባቢ ፎርቶ ሳዋ፣ ግዝያዊ መዓስከር ኣቝሙ ከምዘሎ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ህውሓት ከምዝቓለስ ዝገልጽ ምንቕስቓስ፣ ዳግመ ውድባን ምትዕርራይ ኣሃዱታትን የካይድ ከምዘሎ’ዩ ዝሕበር።

    ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ርክብ ካብ ወገን ደምህት ኣቦ መንበር እቲ ጉጅለ ሞላ ኣስገዶምን ምክትሉን ክርከቡ እንከለዉ ካብ ወገን ኤርትራ ድማ ኮለነል ፍጹም -ሌኒን፣ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስን ካልኦትን ከምዝተረኽቡ ተገሊጹ።

    ካብ ዝምስረት 10 ዓመታቱ ኣቝሩ ዘሎ ደምህት፣ ብመረብ ናብ ራማን ብኦምሓጀር ድማ ሑመራ እናሰለዅ ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ከምዘካይድ’ዩ ዝገልጽ።

    ኣብ ኤርትራ ካብ ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ኦሮሞን ኦጋዴንን፣ በብዝተፈላለየ ምክንያታት እናተደኸሙ ድሕሪ ምምጽኦም፣ መንግስቲ ኤርትራ እምነት ኣንቢርሉ ዘሎ እንኮ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ሓይሊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ- ደምህት’ዩ።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነዚ ዶብ እናሰገረ ናይ ድብያ መጥቃዕታት ከምዘካይድ ዝግለጽ ደምህት ንምህዳን፣ ኣብ ወርሂ ግንቦት ናይዚ ዓመት እዚ ናብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ብምእታው መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ብወግዒ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

    ብዘይካ’ዚ፣ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ተቓወምቲ ናይ ምምልማል ዘካይዶ ዘሎ ተግባራት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ንዝተፈላለዩ ኤርትይራውያን ተቓወምቲ ጽላል ኮይኑ ይሕብሕቦም ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0