ኣብ ዳርፉር ሰለስተ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም

ሓደ ኣባል ናይቲ ኣብ ዳርፉር ተዋፊሩ ካብ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ብጾቱ ብዝኸፈቶ ቶዅሲ ሰለስተ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ከምዝቐተለ ሬድዮ ዳባንጋ ሓቢራ።

    እታ ሬድዮ ንዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ እታ ኢትዮጵያዊ ዓቃብ ሰላም ንሰለስተ ካብ ብጾቱ ድሕሪ ምቕታል ገዛእ ነብሱ’ውን ብጥይት ከምዝቐተለ ኣረጋጊጻ።

    ኮሚሽነር ናይቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ተዋፊርሉ ዝርከብ ዞባ ሙክጃር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ እቲ ቅትለት ኣብ ናይ መዘናግዒ ክፍሊ ናይቲ መዓስከር’ዩ ተፈጺሙ።

    ኣቐዲሙ ኣብ መንጎ እቶም ኢትዮጵያውያን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሓያል ክትዓትን ምትህልላኽን ከምዝእተወልዐ ዝሓበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻክር፣ ሓደ ካብኣቶም ካብቲ ናይ መዘናግዒ ክፍሊ ወጺኡ ብምኻድ ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ብረት ዓጢቑ ብምምጻእ ሃንደበታዊ ቶዅሲ ከምዝኸፈተ ኣረዲኦም።

    በቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰለ ካልእ ኢትዮጵያዊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከምዘሎ’ውን ሓቢሮም።

    ኮሚሽነር ሙክጃር ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ንህዝቢ ዳርፉር ካብ መጥቓዕታት ንምክልኻል ተባሂሎም ዝተዋፈሩ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ ንሓድሕዶም ምቅትታሎም፣ ሰላም ንምዕቃብ ብቁዓት ዘይምዃኖም’ዩ ዘመልክት ክብል ዘለዎ ነቐፌታ ኣቕሪቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0