ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ጉዳይ ናይቲ ብምዝመዛ ናጻ ጉልበት ኤርትራውያን ዝተኸሰሰ ኩባንያ ኔቭሰን ክርኢ’ዩ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ጉዳይ ናይቲ ብምዝመዛ ናጻ ጉልበት ኤርትራውያን ዝተኸሰሰ ኩባንያ ኔቭሰን ክርኢ’ዩ

Radio Erena: 07 October 2016

Bisha

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኩባንያ ኔቭሰን ንኤርትራውያን ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ኣዋፊሩ ብዝብል ንዝቐረበሉ ክሲ ክርኢ ምዃና ብ6 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቢሻ፣ ዕደና ወርቅን ካልእ ማዕድናትን ዘካየድ ዘሎ ናይ ካናዳ ኩባንያ ኔቭሰን፣ እቲ ጉዳይ ኣብ ናይ ኤርትራ ቤት ፍርዲ ክቀርብ ኣለዎ ብምባል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ነቲ ክሲ ክነጽጎ ክሓትት ምጽንሑ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ኣብ ቫንኩቨር ዝመደበሩ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፣ እቶም ነቲ ክሲ ዘቕረቡ ሰለስተ ኣብ ቢሻ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰለስተ ኤርትራውያን፣ ክሶም ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከቕርቡ ከምዘይክእሉ ከምዘረጋገጸ ብምጥቃስ፣ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ካናዳ ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ኣረጋጊጹሎም ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምስ ባርነት ኣብ ዝጽብጸብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ዜጋታቱን ካልእን ዝኣመሰለ ክስታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቀሪብሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ እቲ ዝዓበተ ምንጪ ኣታዊ እቲ መንግስቲ ኮይኑ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ከኣ ኣብዚ ክስታት እዚ ምስቲ መንግስቲ ይተሓባበር ምህላዉ ወይ ዘይምህላዉ’ውን ኣብቲ ቤት ፍርዲ ክጻረ’ዩ።

እዚ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ኣታዊ ዝርከብ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ምስተን ዝበዝሑ ኣባላተን ብዘይዝኾነ ክፍሊት ዝሰርሑ ብህግደፍ ዝውነና ከም ሰገን ዝኣመሰላ ናይ ህንጻ ትካላት ብምትሕብባሩ’ዩ ኣብ 2014 ብኤርትራውያን ክሲ ተመስሪትሉ ዘሎ።

ኣብዚ ትካል እዚ ዝሰርሑ ዝነበሩ ካልኦት ኤርትራውያን’ውን ዘለዎም ክስታት ከቕርቡ ከምዝኽእሉ ተደጋጋሚ እዋን ብሬድዮ ኤረና ጻውዒት ምቕራቡ ይዝከር።

ኩባንያ ኔቭሰን ኣብዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ቢሺ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ከምዝፈጠረን፣ 40 ሚእታዊ ናይቲ ፕሮጀክት ንዝውንን መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር ጽሩይ ኣታዊ ከምዘረከቦን’ዩ ዝእመን።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0