ንኣዲስ ኣበባን ጅቡቲን ዘራኽብ ናይ ኤለክትሪክ መንገዲ ባቡር ስርሑ ጀሚሩ

Radio Erena: 07 October 2016

Railway

750 ኪሎሜተር’ዩ ዝንውሓቱ፣ ንኣዲስ ኣበባን ጅቡቲን ዘራኽብ ናይ ኤለክትሪክ መንገዲ ባቡር ብ5 ጥቅምቲ ብወግዒ ስርሑ ጀሚሩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ንክልተ ሃገራት ዘራኸበ ናይ መጀመርያ ናይ ኤልክትሪክ መንገዲ ባቡር ክኸውን ድማ በቂዑ።

እቲ ንወደብ ጅቡትን ኣዲስ ኣበባን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር፣ ካብ ባንክታት ቻይና ብዝተረኽበ ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ምወላ ዝተሃንጸ ኮይኑ፣ ብቻይናውያን ኩባንያታት ተሃኒጹ ብቻይናውያን ክኢላታት ከኣ ክመሓደር’ዩ።

እቲ መንገዲ ባቡር ካብ ወደብ ጅቡቲ ናብ ኣዲስ አበባ ንዝነበረ ናይ ጽዕነት መጓዓዝያ ጸገማት ኣብ ምቅላል ዓቢ ግደ ክህልዎ’ዩ።

ነቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ጅቡቲ ሰለስተ መዓልታት ዝወስድ ዝነበረ ናይ መኪና ጉዕዞ ናብ 12 ሰዓታት ከውርዶ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።

እቲ መንገዲ ባቡር፣ ኣብ ሰዓት 120 ኪሎሜተር ንዝሕንበባ ናይ ኤልክትሪክ ከገልግል’ዩ።

ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ’ውን እቲ መንገዲ ባቡር፣ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣገልግሎታት ክጅምር ትጽቢት ይግበረሉ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0