ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ብዘይድሌቶም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምውጻእ ዝኣበዩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ክእሰሩ የብሎም ይብል

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ብዘይድሌቶም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምውጻእ ዝኣበዩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ክእሰሩ የብሎም ይብል

Radio Erena: 29 August 2017

Israel high court

ኣብ ከተማ ዮርሳሌም ዝመደበሩ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል፣ ብዘይድሌቶም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምውጻእ ዝኣበዩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ፣ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ከምዘይብሎም ወሲኑ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብሰኑይ 28 ነሓሰ ተጋቢእሉ ኣብ ዝወዓለ፣ ነቲ መንግስቲ ዘውጽኦ፣ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሳልሳይ ሃገር ምስዳድ ዝብል ውሳኔ እኳ እንተዘይተቓወሞ፣ ብዘይድሌት እቶም ሓተቲ ዑቕባ፣ በስገዳድ ክፍጸም ግና ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል ምትሕስሳቡ፣ ነቲ መጋብኣያ ብኣካል ዝተኸታተሉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ጠቒሶም።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣሽሓት ኤርትራውትያን ንዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳን ኡጋንድ ዝርእከበ ሃገራት ብዘይድሌቶም ንኽሰጉግ፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ኣይንኸይድን ዝበሉ ከኣ ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ሳህሮኖም ክእሰሩን ክፍቐደሉ’ዩ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጠለብ ከቕርብ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ መንግስቲ እስራኤል ብዝኽተሎ ዘሎ ፖሊስ ኢምግሬሽን፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ኣይንኸይድ ንዝበሉ ኣስታት መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ 1800 ሓተቲ ዑቕባ ኣብቲ ብክፉት ቤት ማእሰርቲ ዝፍለጥ፣ ኾሎት ሒዝዎም ይርከብ።

ናብ ኾልት ክኣትዉ ጻውዒት ዝተገብረሎምን ግዝያዊ መንቀሳቀሲ ፍቓድ ወይ ቪዛኦም ዝወደቐን ከኣ ብፖሊስ ኣብ ዝተሓዝሉ ኣብ ሓደ ካብ ጽንኩር ኣብያ ማእሰርቲ እታ ሃገር፣ ኣብ ሳህሮም ከምዝኣስሮም ይፍለጥ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ነቶም ኣስታት 35 ሽሕ ዝግመቱ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ንምምልሶም ምስዘን ሃገራት ምስጢራዊ ስምምዓት ከምዘካየደ’ዩ ዝንገር።

ካብ እስራኤል በብእዋኑ ናብዘን ሃገራት ዝተመልሱ ኤርትራውያን፣ ናብ ውሑስ ቦታታት ንምብጻእ እንደገና ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ከምዘካየዱን፣ ሓያሎ ካብኣኦቶም ከኣ ግዳያት ሞትን መጭወይትን ከምዝኾኑ ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉ ትካላት ግብረ ሰናይን ተጠብቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን የረጋግጹ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0