ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ’ዩ

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 22 April 2018

amba yamamotoኣመሪካዊ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ ካብ 22 ክሳብ 24 ሚያዝያ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ኣምባሳደር ያማሞቶ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብምርኻብ ብዛዕባ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ክዘራረብ ምዃኑ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ዝተፈነወ ዜና የረድእ።

እቲ ኣመሪካዊ ኣምባሳደር ብተወሳኺ፣ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ዲፕሎማሰኛታት፣ ከምኡ’ውን ኣባላት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ክራኸብ ምዃኑ እቲ ዜና ብተወሳኺ ይገልጽ።

ንሱ ብምቕጻል ን24ን 25 ሚያዝያ ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ክሳተፍ’ዩ። እቲ ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ምትሕብባር ጸጥታን ካልእን ጉዳያት ዝዝቲ ዋዕላ ዓመታዊ ዝካየድ’ዩ።

ኣምባሳደር ያማሞቶ ናይ ጂቡቲ ዋዕላኡ ዛዚሙ ንዕለት 26 ሚያዝያ ናብ ኢትዮጵያ ከምዘምርሕ’ውን ተሓቢሩ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ዝገብሮ ርክባት ዛጊት ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0