ፖሊስ ሱዳን ተጨውዮም ዝነበሩ ስደተኛታት ናጻ ኣውጺኦም

ፖሊስ ሱዳን ተጨውዮም ዝነበሩ ስደተኛታት ናጻ ኣውጺኦም

Radio Erena: 22 April 2018

 port sudan sideteNatatፖሊስ ሱዳን ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተቐዪዶም ዝጸንሑ 25 ስደተኛታት ናጻ ከምዘውጽኡ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስን ረቡዕን ዝተኻየደ ስርሒት፣ ፖሊስ ሱዳን ኣብ ከተማ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝተፈላለየ ኣባይቲ ፋሕ ኢሎም ተቐዪዶም ዝጸንሑ ስደተኛታት ናጻ ድሕሪ ምውጽኦም፣ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ተዓቚቦም ከምዘለዉ ተገሊጹ። ሓያሎ ካብቶም ስደተኛታት ኤርትራውያን ምዃኖም’ውን ተሓቢሩ።

ክልተ ካብቶም ተጨውዮም ዝጸንሑ ስደተኛታት ካብቲ ዝነበሩዎ ህንጻ ዘሊሎም ክወጹ ኣብ ዝፈተኑሉ ኣካላዊ መጉዳእቲ ስለዝወረዶም ኣብ ፖርት ሱዳን ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ይርከቡ።

ካብቶም ጨወይቲ ይኹኑ ኣሰጋገርቲ ግና ዝተታሕዘ ከምዘየለ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፣ ፖሊስ ከሰላ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ተጨውዮም ዝነበሩ 95 ስደተኛታት ናጻ ከምዘውጽኡ ይዝከር።

ሕብረት ኤውሮጳ ሱዳን ቀንዲ መተሓላለፊት ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ስለዝኾነት፣ እቶም ንሃገራት ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝሕልኑ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን እንከለዉ ደው ዝብለሉ መደብ ብምውጻእ ንመንግስቲ ሱዳን ብኣማኢት ሚልዮናት ዝግመት ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝገበረ ዝፍለጥ’ዩ።

ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ስደተኛታት ናይ ምግታእ መደብ፣ ንመንግስቲ ሱዳን ገንዘብ ምሕጋዝ ማለት ብተዘዋዋሪ ንምልሻ ጃንጃዊድ ምሕጋዝ ማለት’ዩ ብምባል ተቓውሞታቶም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0