ሱዳን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካብ መዝነቱ ተሰጕጉ

ሱዳን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካብ መዝነቱ ተሰጕጉ

Radio Erena: 23 April 2018

Ghandour

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ ኢብራሂም ጋንዶር ካብ መዝነቱ ከምዝሰጎግኦ ተሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ካብ መዝነቱ ከምዝተሰጎጎ ዝግለጽ ዘሎ፣ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ምስቲ ፕረዚደንት ክሰማማዕ ብዘይምኽኣሉ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኢብራሂም ጋንዶር ቅድሚ ካብ መዝነቱ ምስጓጉ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ንሰንኪ ዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት 7 ኣዋርሕ ደሞዞም ክኽፈሉ ከምዘይክኣሉ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን እኹል ባጀት ከምዘይብሉ ብምሕባር፣ ነዞም ኣምባሳደራት ዝርከብዎም ዲፕሎማሰኛታት ደሞዞሞ ክኸፍሎም ስለዘይክኣለ ሓያሎ ካብኣቶም ናብ ሱዳን ክምለሱ ይሓቱ ከምዘለዉ ጠቒሱ።

ቅድሚ ኣዋርሕ ኣቢሉ’ውን ሚኒስተር ጋንዶር፣ ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያት ቀጥታዊ ምትእትታው ብምፍጻም ንንጥፈታቶም ንዓናቕፍ ከምዘሎ ከብምውቃስ፣ ብወለንትኡ ካብ ስልጣኑ ክእለ ከምዝሓተተ ይግለጽ።

እንተኾነ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሱዳንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡን ንዘሎ ፍልልያት ብምዝርራብ ክኣልዉ ድሕሪ ዘቕረብሎም ጻውዒት፣ ኢብራሂም ጋንድር ኣብ መዝነቱ ክቕጽል ከምዝወሰነ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት የገንዝቡ።

ፕረዚደንት ሱዳን ኣቐዲሙ’ውን ሓላፊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ከምኡ ድማ ንሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ዝርከብዎም ሓይሎ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ካብ መዝነቶም ከምዝኣለየ ይዝከር።

===============

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0