ሊብያ 6 ኣስገርቲ ተታሒዞም 156 ስደተኛታት ነጻ ኮይኖም

Radio Erena: 24 February 2021

ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ኣብ ኩፍራ ብዝገበርዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ተታሒዞም ዝነበሩ 156 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ነጻ ክወጹ እንከለዉ 6 ኣስገርቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓሉ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም::

ሓደ ካብ ስደተኛታት ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምህዳሙ: ስደተኛታት ብኣስገርቲ ተታሒዞም ይጋፍዑ ከምዘለዉ ድሕሪ ምግላጹ እቲ ናይ ምድሓኖም ወፈራ ከምዝተኻየደ እቶም ሰበ-ስልጣን ብተወሳኺ ሓቢሮም::

እቶም ንስደተኛታት ሒዞም ዝነበሩ 6 ኣስገርቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ድሕሪ ምውዓሎም ንዝያዳ መርመራ ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ ተረኪቦም ከምዘለዉ ተገሊጹ::

እቶም 15 ደቀንስትዮን 5 ህጻናትን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኤርትራውያን: ሶማላውያንን ሱዳናውያንን ከምዝኾኑን ናብ መዕቆቢ ቦታ ተወሲዶም ከምዘለዉን እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ይሕብር::

ሱዳን ሰጊርካ ሊብያ ኣብ ትኣትወሉ ዝርከብ ኣል ኩፍራ ዝተባሃለ ዞባ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘዕርፉሉን ካብን ናብን ሱዳን ሒዞሞም ዝመጹ ኣስገርቲ ናብ ሊብያውያን ኣስገርቲ ዝርከቡሉ ቦታ እዩ ::

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0