ሰራዊት ጂቡቲ፣ ፈረንሳን ኣመሪካን፣ ኣብ ምክልኻል ስርሰራ ሓበሬታ ሓባራዊ ልምምድ ኣካይዶም

Radio Erena: 24 February 2021

ሰራዊት ጂቡቲ፣ ፈረንሳን ኣመሪካን፣ ኣብ ድሕነት፣ ምዕቃብን ምትሕልላፍን ውሑስ ሓበሬታ ዘተኮረ ሓባራዊ ልምምድ ኣካይዶም።

እቲ ኣብ ጂቡቲ ዝተኻየደ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ልምምድ፣ ኣብ ዘመናዊ ውትህድርና ገኒኑ ንዝርአ ዘሎ ምስርሳርን ምጥላፍን ዲጂታላዊ ሓበሬታ፣ ክትከላኸለሉ እትኽእል ኣገባባት ንምፍላጥ ዝሕግዝ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሓበሬታ ብውሕሱ መንገዲ ካባን ናብን ንምትሕልላፍ ዘኽእል ሜላታት ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ፣ ኣካል እቲ ሓባራዊ ልምምድ’ዩ ኔሩ።

ኣብዚ 21 ክፍለ ዘመን፣ ምውሓስ ዲጂታላዊ ሓበሬታ ኣገዳሲ ዕማም ምክልኻል ሃገር’ዩ ምዃኑ፣ ኣዛዚ ሓባራዊ ሓይል ዕማም ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሜጀር ጀነራል ላፓት ፍሎራ ኣብ መኽፈቲ እቲ ሓባራዊ ልምምድ ገሊጹ።

ኣብ ጂቡቲ ዓስኪረን ዝርከባ ኣመሪካን ፈረንሳን፣ ምስ ጂቡቲ፣ ኣብ ስለያን ጸረ ስለያን፣ ምምእራር ሓበሬታ፣ ናይ ኣየር፣ መሬትን ባሕርን መጥቃዕትን ምክልኻልን ዝዓለመ፣ በብእዋኑ ሓባራዊ ልምምዳት የካይዳ’የን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0