ቤት ምኽሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናብ ትግራይ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ብህጹጽ ክኣቱ ተሰማሚዑ

Radio Erena: 24 February 2021

ቤት ምኽሪ ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ናብ ትግራይ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህጹጽ ክኣቱ ከምዘለዎ ኣስሚርሉ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ብ22 ለካቲት፣ ኣብ ቤልጁም፣ ከተማ ብራስለስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ጸብጻብ ናይቲ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ኣካይዱ ዝተመልሰ ፍሉይ ልኡኽን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድን፣ ፔካ ሃቪስቶ ድሕሪ ምስማዕ’ዩ፣ ኣብ ትግራይ፣ ምግሃስ መሰላት ደቂ ሰብን ኣብ ብሄር ዘተኮረ ጎነጽን ተፈጺሙ ከይከውን ኣብ ዝብል ምጽራይ ክካየድ ተሰማሚዑ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣህጉራዊ ናይ ሰብኣውነት ሕግታት ክኽበሩ ከምዘለዎም ኣገንዚቡ።

ፔካ ሃቪስቶ፣ ካብ 7 ክሳብ 10 ለካቲት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ናብ ሚልዮናት ሰባት፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ከምዘይተኻእለ ኣመልኪቱ።

ንጥሜት ከም ኣካል ኵናትን ፖለቲካዊ መሳርሕን ይጥቀመሉ ከምዘሎ ዝውቀስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ ክልል ትግራይ ህጹጽ ሓገዝ ክኣቱ ክፈቅድ ጸቕጢ ይግበረሉ ምህላዉ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዛጊት 10ታት ሰራሕተኛታት ትካላት ረዲኤት ጥራይ’ዩ ናብቲ ክልል ክኣትዉ ፈቒዱ።

ኣብ ክልል ትግራይ፣ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢ፣ ህጹጽ ረዲኤት ይጽበ ኣሎ።

ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ጉዳያት ሩስያ፡ ቻይናን-ሆንግኮንግ፣ ሚያንማርን ኢራንን’ውን ዘትዩ’ዩ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ኣብ ዝምድና ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ከምኡ ድማ ናይ ሓባር መርገጺታትን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ናይ ቪድዮ ኮንፈረንስ ኣካይዱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0