ሊብያ፣ መራኽብ ኵናት ኢጣልያ ክሊ ማየይ ይጥሕሳ ኣለዋ ትብል

ሊብያ፣ መራኽብ ኵናት ኢጣልያ ክሊ ማየይ ይጥሕሳ ኣለዋ ትብል

Radio Erena: 03 November 2015

Ital ships

መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ንክሊ ማያት ሊብያ ይጥሕሳ ኣለዋ ክብል መንግስቲ እታ ሃገር ከሲሱ።

መንግስቲ ሊብያ፣ ብሰንበት 1 ሕዳር ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ሰለስተ መራኽብ ኵናት ኢጣልያ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምዝተጸግዓ ብምጥቃስ፣ ሊብያ እቲ ፍጻሜ ከም ምጥሓስ ልኡላውነት ከምእትርዮ ኣዘኻኺሩ።

መንግስቲ ኢጣልያ ንክሊ ማያት ሊብያ ምጥሓስ እንተቀጺሉ ድማ፣ ሊብያ ወትሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ኣጠንቂቑ።

 

ኢጣልያ ብወገና፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተዋፈራ ወትሃደራውያን መራኽባ፣ ኣብ ምድሓን ስደተኛታት ዝነጥፋ ኮይነን፣ ካብ ኣህጉራዊ ማያት ከምዘይሓለፋ’ያ ትጣበቕ።

ሊብያን ኢጣልያን ብዋሕዚ ስደተኛታት ክሰሓሓባ ሓያሎ ዓመታት ዘቑጸረ እኳ እንተኾነ፣ ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ስደተኛታት “ኣብ ምምልላስ ዘገልግላ’የን” ንዝበለን ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ንዝረከባ ጀላቡ ከዕኑ፣ ካብ ሕቡራት ሃገራት ፍቃድ ምርካቡ እቲ ጉዳይ ብኢሱ ይርከብ።

ቀንዲ ኣፍደገ ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዙ ስደተኛታት ዝኾነት ሊብያ፣ ርጉእ መንግስቲ ዘይምህላዋ ንሃገራት ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ሻቕሎት ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0