ፈረንሳ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ክትቕበልያ

ፈረንሳ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ክትቕበልያ

Radio Erena: 02 November 2015

OFPRA

ፈረንሳ፣ ኣብ ኢጣልያ ብዝግያውነት ዑቕባ ተዋሂባም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ክትቕበል’ያ።

እቶም ኣስታት ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኢጣልያን ግሪኽኝ ዝርከቡ ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ናይ ምጥያስ መስርሕ’ዩ።

ፈረንሳ፣ ኣብ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራትን ዝርከቡ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ሶርያን ዝርከብዎም 25 ሽሕ ስደተኛታት ንምጥያስ መደብ ከምዘለዋ’ያ ትገልጽ።

 

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ፈረንሳ፣ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ከምዘሎ ጸብጻብ ክፍሊ ስደተኛታት እታ ሃገር የረጋግጽ።

ሽወደን’ውን ክሳብ እዚ እዋን’ዚ 86 ኤርትራውያን ካብ ኢጣልያ ከተጣይስ እንከላ፣ እቲ ናይ ምጥያስ መስርሕ ክትቕጽሎ ምዃና’ዩ ዘረጋግጽ ሮማ ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ።

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብዝበጽሖ ስምምዕ መሰረት፣ ኣብ ኢጣልያን ግሪኽን ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ናብ 28 ሃገራት ንምጥያሶም እቲ መስርሕ ድሮ ጀሚሩ ይርከብ።

ዝበዝሐ ቁጽሪ ናይዞም ስደተኛታት ከኣ ጀርመን፣ ፈረንሳን ሽወደንን ክመቃርሐኦ ምዃነን ይጥቐስ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0