ሆላንድ፣ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ካብ ሃገራ ክወጽእ ኣዚዛ

ሆላንድ፣ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ካብ ሃገራ ክወጽእ ኣዚዛ

Radio Erena: 18 January 2018

Embassy of Eritrea in Holland

መንግስቲ ሆላንድ ንፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ፣ ኣቶ ተኸስተ ገብረመድህን ዘሙይ ካብ ሃገሩ ክወጽእ ኣዚዙ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሆላንድ ዛይልስትራ ዝተዋህበ ነቲ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገሩ ክወጽእ ዝኣዘዘሉ ምኽንያት፣ ኣብ ሆላንድ ዘይሕጋዊ ምእካብ ግብሪ ከተግብር ምጽንሑ ብመርትዖ ድሕሪ ምርግጋጽ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝነብሩ ዜጋታቱ ክልተ ሚእታዊ ካብ ኣታዊታቶም ግብሪ ከኽፍል ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ እቲ መስርሕ ምእካብ ግብሪ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል ደው ክብል ከምዝወሰና ዝፍለጥ’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ኤውሮጳ እቲ መስርሕ ገና ይቕጽል ከምዘሎ ዝፍለት ኾይኑ፣ መንግስቲ ሆላንድ ድማ ነዚ ከጻርዮ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ንወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ክወጽእ ትእዛዝ ሂብዎ ዘሎ።

ባይቶ ሆላንድ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቱ ኣብ ብ20 ታሕሳስ 2017 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ጠቕሊሉ ክዕጾ ከምዝጸውዐ ኣይርሳዕን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሆላንድ፣ ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዝቐረበ መርትዖታት፣ ኤምባሲ ኤርትራጠቕሊሉ ንኸዕጽዎ ዝኽእል እኳ እንተዘይኮነ፣ መንግስቲ ኤርትራ መብርሂ ክህብ ክሓትት ምዃኑ ግና ሓቢሩ ኔሩ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ንዝርከቡ ዜጋታቱ ክልተ ካብ ሚእቲ ካብ ኣታዊታቶም ክኸፍሉ የገድድን የፈራርሕ እንተሎ ኸኣ ሆላንድ ካልእ ስጉምቲ ክትወስድ ከምእትኽእል ኣቲ ሚኒስተር ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምንጻሩ ይዝከር።

መንግስቲ ሆላንድ ብዛዕባ ጉዳይ መንግስቲ ኤርትራ ተደጋጋሚ እዋን ክዝቲ እኳ እንተጸንሐ ግብራዊ ስጉምቲ ከይወሰደ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ብሮቡዕ 17 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዙ ዘሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0