ብሪጣንያን ፈረንሳን፣ ብዶባተን ዝካየድ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ ተወሳኺ ውዕላት ኣጽዲቐን

ብሪጣንያን ፈረንሳን፣ ብዶባተን ዝካየድ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ ተወሳኺ ውዕላት ኣጽዲቐን

Radio Erena: 19 January 2018

calais

ካብ ፈረንሳ ብመንገዲ ካሌ ናብ ብሪጣንያ ንዝሰግሩ ስደተኛታት ንምግታእ፣ መንግስታት እዘን ክልተ ሃገራት ተወሳኺ ስምምዕ ከምዘጽደቑ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ናብቲ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ኣጽሊሎምሉ ዘለዉ ከባቢ ወደብ ካሌ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ብመንገዲ’ዚ ወደብ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝካየድ ፈተነ ዘብቅዓሉ ሓድሽ ኣማራጺ ከምዘድሊ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተረሳ መይ ብምርኻብ ሓድሽ ስምምዕ ከካይድ ከምዝደሊ ኣብ ዝገለጸላ፣ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብወገና ነቲ ሓድሽ ስምምዕ ቅርብቲ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ንሳ ብተወሳኺ፣ ነቲ ፈረንሳ እትሓቶ ዘላ ኣብ ዶብ ተወሳኺ ባጀትን ናይ ጸጥታ ሓይልታት ምውፋርን ክትምልኦ ምዃና ኣረጋጊጻ።

እቲ ብሪጣንያ ወደብ ካሌ ካብ ምስግጋር ስደተኛታት ንምዕጻው ክትስልዖ ምዃና ዝንገረሉ ዘሎ ብዝሒ ገንዘብ 50 ሚልዮን ኤውሮ’ዩ።

ብወደብ ካሌ ዝካየድ ምስግጋር ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ብሪጣንያን ካብ 2003 ዝጸንሐ ስምምዕ እኳ እንተሎ፣ እቲ ስምምዕ ስደተኛታት ኣብ ካሌ ብምትእኽኻብ ንፈረንሳ ጸቕጢ ክፈጥረላ ዕድል ዝህብ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ፈረንሳ ይቃወምዎ።

ብሪጣንያ ካብ ፈረንሳ ከጋጥማ ንዝኽእል ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ኣብ ውሽጢ መሬት ፈረንሳ ንዝርከብ ከባቢታት ብስልኪ ንምሕጻሩን ተወሳኺ ናይ ጸጥታ መሳርሒ ንምትእትታውን ካብ 2016 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 120 ሚልዮን ኤውሮ ወጻኢ ጌራ ኣላ።

መንግስቲ ፈረንሳ ብወገኑ ኣብ ካሌ ንዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ንምብታን ዝተፈላለየ ስርሒታት እኳ እንተካየደ ክዕወት ግና ኣይከኣለን።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0