ኢትዮጵያ፣ መራሒ ተቓዋሚ ዝርከቦም ሓያሎ ናይ ፖለቲካ እሱራት ፈቲሓ

ኢትዮጵያ፣ መራሒ ተቓዋሚ ዝርከቦም ሓያሎ ናይ ፖለቲካ እሱራት ፈቲሓ

Radio Erena: 18 January 2018

Godina

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መራሕቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኦሮሞ ዶክተር መራራ ጎዲና ዝርከቦም ሓያሎ ናይ ፖለቲካ እሱራት ፈቲሑ።

እቲ መንግስቲ፣ ፖለቲካውያን ሓይልታት እታ ሃገር ናብ መኣዲ ዘተ ንምዕዳም፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሕ ምዃኑ ድሕሪ ዝሃቦ መግለጺ’ዩ፣ ብሮቡዕ 17 ጥሪ ነቶም እሱራት ፈቲሕU ዘሎ።

ልዕሊ 500 እሱራት ዝተመስረተሎም ፖለቲካዊ ክስታት ከምዝልዓለ ኣቐዲሙ ዝሓበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እቶም ህይወት ሰብ ዘጥፍኡን ንብረት ሃገራን ህዝብን ዘዕነውን ካልእ ከበድቲ ገበናት ዝፈጸሙን ግና ኣብቲ ናይ ምሕረት መስርሕ ከምዘየለዉ’ዩ ኣመልኪቱ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምፍታሕ እዞም ናይ ፖለቲካ እሱራት ብሓጎስ ተቐበሊዎ።

መራሒ ሰልፊ ባይቶ ኦሮሞ ዶክተር መራራ ጎዲና ድሕሪ ምፍትሑ ኣሽሓት ደገፍቱ ኣብ ከባቢ መንበሩ ገዝኡ ድሙቕ ኣቀባብላ ጌሮምሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ተበግሶ ዝወስድ ዘሎ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጎሃሃረ ክመጽእ ዝጸንሐ ብሄራውን ግጭታትን ካልእ ፖለቲካዊ ምፍሕፍሓትን ብዘተ ንፍትሑ ባይታ ንምጥጣሕ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0