ህግደፍ፣ “ኣብ 25 ዓመታት ናጽነት ናብ ርሁው መድረኽ ንሰጋገር ኣለና ይብል”፣ ዋሕዚ ዜጋታት ናብ ስደት ከኣ ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽል

ህግደፍ፣ “ኣብ 25 ዓመታት ናጽነት ናብ ርሁው መድረኽ ንሰጋገር ኣለና ይብል”፣ ዋሕዚ ዜጋታት ናብ ስደት ከኣ ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽል

Radio Erena: 09 May 2016

hagos

ኤርትራ ናብ ርሁው መድረኽ ትሰጋገር ኣላ ክብል ህግደፍ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ጎስጓስ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፣ ዋሕዚ ዜጋታት ናብ ስደት ብዝልዓለ መልክዑ ይቕጽል ምህላዉ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዝተፈላለዩ ምንጭታት የመልክቱ።

ዝተጸመመ ህዝቢ ጻምኡ ክረክብ ጀሚሩ ብዝብል ምስ ምቕያር ናቕፋን ተኸሲቱ ዘሎ ምጉዳል ዋጋታት መሰረታውያን ነገራትን ብዝተተሓሓዘ፣ ኣብ እዋን ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት፣ ፍሉይ ተኣምራት ከምዝተራእየ ካድራት ህግደፍ ጽዑቕ ጎስጓስ የካይዱ እኳ እንተለዉ፣ ንህሉው ኩነታት ባዕሉ ዝነብሮ ዘሎ ህዝቢ ግና፣ ሕጂ’ውን ምርጭኡ ዋሕዚ ናብ ስደት ኮይኑ ምህላዉ ኣብዚ ቀረባ ናብ ስደት ካብ ዘምርሑ ህቡባት ስነጥበባውያን፣ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ሰብ ሞያን ከም ኣብነት ብምጥቃስ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም። 

 

ህቡባት ተዋሳእቲ ሓጎስ ወልደገብርኤልን ሱዚኒኖን መረብ እስቲፋኖስን ዝርከብዎም ሓያሎ ስነ ጥበባውያን፣ ኣብ ኣመሪካ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ክፍሊ ቴሌቪዥን ፕሮግራም ኣምሓርኛ በረኸት ኣብርሃ ዝርከቦም ሓያሎ ጋዜጠኛታትን ኣባላት ዜናን’ውን ብተመሳሳሊ ብመንገዲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ስደት ከምዘምርሑ ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ፣ ደሞዝ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሰራሕተኛታትን ብልዕሊ ዕጽፊ ከምዘዕበዮ’ውን ይጉስጉሰሉ እኳ እንተሎ፣ እቲ ወሰኽ ዶሞዝ ምዕሩይ ዝርግሐ ዘለዎ ከምዘይኮነን፣ ዝበዝሑ ኣባላት ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ወሰኽ ደሞዝ ከምዘይተገብረሎም’ውን ሓቢሮም።

ካብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ዋጋታት መሰረታውያን ነገራት ብርኡይ ኣንቆልቍሉ እኳ እንተሎ፣ ዝንቀሳቐስ ባጤራ ነቕፋ ብዘይምህላዉ ግና ህዝቢ ብኢዱን ብእግሩን ተታሒዙ፣ የማርር ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ ብዘሎ ኩነታት ዘማረረ ህዝቢ ናብ ስደት እናዋሓዘን ለውጢ ዝጠልብ ዘሎ ክፋል ህዝቢ ከኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛየደን ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንጽንብል ናጽነት ንጎስጓስን ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪን ጥራይ ክጥቐመሉ’ዩ ዝርአ ዘሎ።

ብፍላይ ምስቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ደቂሰብ ይፍጽሙ ምህላዎም ወይ ዘይምህላዎም ዘረጋግጽ መርትዖ ንምቕራብ ምድላዋት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ ግዜ፣ ብሩራዊ እዮቤል ናጽነት ንመንግስቲ ኤርትራ ጽቡቕ ናይ መሕብኢ ኣጋጣሚ ፈጢራትሉ ትርከብ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0