እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ንራብዓይ እዋኑ ፕረዚደንት ጅቡቲ ንምዃን ቃል መሓላ ፈጺሙ

እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ንራብዓይ እዋኑ ፕረዚደንት ጅቡቲ ንምዃን ቃል መሓላ ፈጺሙ

Radio Erena: 09 May 2016

Guelle

እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ንራብዓይ እዋኑ ፕረዚደንት ጅቡቲ ንምዃን ትማሊ ሰንበት 8 ግንቦት ቃል መሓላ ፈጺሙ።

ካብ ኣኩኡ ጉለድ ሓሰን ኣፕቲዶን ኣብ 1999 ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዘካየዶ ምርጫታት ከምዝተዓወተ ብምግላጽ’ዩ ኣብ ስልጣን ዝቕጽል ዘሎ።

ቅዋም እታ ሃገር ብምምሕያሽ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምርጫ ዝተሳተፈ ፕረዚደንት ጉለ ብዓብላሊ ድምጺ ከምዝተዓወተ ብምሕባር’ዩ ንዝቕጽል ተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት መራሒ እታ ሃገር ንምዃን ትማሊ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

 

ኣብቲ ኣብ ከተማ ጅቡቲ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቃል መሓላ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ፕረዚደንታት ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኡጋንዳን ርዋንዳን ተረኺቦም ኔሮም።

ብዘይካ’ዚ’ውን ወከልቲ መንግስታት ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ቻይናን ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦትን’ውን ኣብቲ ጽምብል ተሳቲፎም።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0