ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምግምጋም ኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካየዱ ሰበ ስልጣን ስዊዘርላንድን ጀርመንን፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ወትሃደራዊ መዓስከራትን ከይበጽሑ ተኸልኪሎም

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምግምጋም ኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካየዱ ሰበ ስልጣን ስዊዘርላንድን ጀርመንን፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ወትሃደራዊ መዓስከራትን ከይበጽሑ ተኸልኪሎም

Radio Erena: 09 May 2016

ga

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት ዝኣተዎ፣ “ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ከነውርዶ ኢና፣” ዝብል መብጾዓ ከምዘየተግበረ ኣብ ኤርትራ ዑደት ዘካየዱ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ስዊዘርላንድ ነቒፎም።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ይመሓየሽ ምህላዉ ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘየለ’ውን ጠቖሶም።

ብመሰረት ጸብጻብ ስዊስ ኢንፎ፣ ሚኒስተር ስደተኛታት ማሪዮ ጋቲከር፣ ንጋዜጣታት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ከውርዶ ምዃኑ ንምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት ዝኣተዎ መብጽዓ ጠሊሙ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኩነታት ሰበኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ዝወሰዶም ተበግሶታት’ውን ከምዘየለ ኣስሚርሉ።

 

እቲ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ ብተወሳኺ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ክልተ ስዊዘርላንዳውያንን ሓደ ጀርመናውን ዘጠቓለለ ጉጅለ ሰበ ስልጣን መንግስታት ስዊዘርላንድ ጀርመንን ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ ቅነ ዑደት ከምዘካየደ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምግምጋም ናብ ኤርትራ ዑደት ንዘካየዱ ሰበ ስልጣን ስዊዘርላንድን ጀርመንን፣ ናብ ኣብያተ ማኣሰርቲን ወትሃደራዊ መዓስከራትን ከይበጽሑ ከምዝኸልከለ ሚኒስተር ጋቲከር ኣፍሊጡ።

እቶም ልኡኻት ኣብቲ ንክልተ ሰሙን ዝጸንሐ ናይ ኤርትራ ዑደቶም ኣብ ከተማታት እናተዘዋወሩ ኣብያተ ትምህርቲ ጥራይ’ዮም ተዓዚቦም።

ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት እተማርር ዘላ ስዊዘርላንድ፣ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ካልእ ንኤርትራውያን ናብ ስደት ዝደፋፍኦም ዘሎ ኩነታትን ንምግምጋም’ያ ልኡኻታ ናብ ኤርትራ ሰዲዳ።

ኣቐዲሙ’ውን ብመንግስቲ ዘይተወከሉ፣ ካብ የመናውያን ሰልፍታት ዝኾኑ ኣርባዕተ ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር፣ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ብዝገበረሎም ዕድመ ናብ ኤርትራ ዑደት ብምክያድ፣ ኣብ ኤርትራ ዝጋነን ጸገም የለን ዝብል ጸብጻብ ምቕራቦም፣ ብትሪ ከምዝተነቕፉ ኣይርሳዕን።

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣስታት 28, 500 ኤርትራውያን ክነብሩ እንከለዉ፣ መብዛሕቶም ኣብዘን ዝሃለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ናብታ ሃገር ዝኣተዉ’ዮም።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0