ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ን10ይ መዓልቱ ኣብ ዝቐጸለሉ፣ ኣብ መንጎ ሲቪላዊ ልፍንቲ ፍልልያት ይፍጠር ኣሎ

Radio Erena: 26 December 2021
ኣብ ከተማ ካርቱም ንዓስራይ መዓልቲ ብዘይምቁራጽ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ዝጉድኡ ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት ቁጽሪ እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።
ብቀዳም 25 ታሕሳስ ኣብ ዝወዓለ ናዕቢ፣ ሰልፈኛታት ናብ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝተቓረቡሉ እዋን፣ ሓይልታት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ ከምዝበተኑዎም ተሓቢሩ።
ኣብቲ ካብ ዕለት 21 ታሕሳስ ብሓድሽ ማዕበል ዝጀመረ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ዋላ’ውን ምስ ዓብደላ ሓምዶክ ሓድሽ ስምምዕ ይፈርም፣ ኣብ ዝመጽእ ደሞክራስያዊ ምርጫ ዝኾነ ኢድ ክህልዎ ከምዘይግባእ ንምርግጋጽ ዝዓለመ’ዩ ዝብል ትንታነታት ይወሃቦ’ሎ።
ብኻልእ ወገን ኣብ መንጎ ብሓደ ተጠርኒፎም ልፍንቲ መስሪቶም ዘለዉ ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ምትፍናን ፈጢሩ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ሱዳን ይገልጻ ኣለዋ።
እቶም ማሕበራት ሰብ ሞያ ብሓሙስ 23 ታሕሳስ ኣብ ዝገበሩዎ ኣኼባ፣ ንስምምዕ ሰላም ጁባ ሰሪዞም ብጎነጽ ነቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ካብ ስልጣን ክኣልዩ ዝደለዩ ብሓደ ወገን፣ ንስምምዕ ሰላም መሰጋገሪ ቆንስል ብምኽባር ቃልሶም ብሰላማዊ መንገዲ ክቕጽሉ ዝደልዩ በቲ ካልእ፣ ኣብ ክልተ ስነሓሳብ ቃልሲ ተገማምዖም ተፈላልዮም።
ኣብዚ ትማሊ ቀዳም ዝወዓለ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ሓይልታት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ናብ ሆስፒታላት ደርብዮም፣ ተዓቚቦም ዝነበሩ ቁሱላትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ኣጋፊዖም ዝብል ጥርዓናት ቀሪቡ ኣሎ።
ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ካብቲ ከባቢ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ፣ ብውሑዱ ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 300 ከኣ ቆሲሎም ኣለዉ።
ሰራዊት መንግስቲ ንከተማ ካርቱም ዘራኽብ ኩሉ ዓበይቲ መስመራት ዓጽዩዎ እዩ ዘሎ።

 

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0