ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ብሓድሽ ውዳበ ክቕጽል ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 19 June 2019

ህዝቢ ሱዳን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ወንበር ሒዙ ዝርከብ ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ብምጥላብ ከካዪዶ ዝጸንሐ ኣድማ፣ ዳግመ ውደባ ብምክያድ ተቓውሞታቱ ብሓድሽ መልክዕ ንምክያድ ይወዳደብ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር ገሊጾም።

እቲ ኣድማ፣ ድሕሪ’ቲ ብ3 ሰነ ሰራዊት ብዝኸፈቶ ተኹሲ ብውሑዱ ህይወት 128 ሰባት ዝወሰደ ፍጻሜ ተሰናኺሉ እዩ ጸኒሑ።

ድሕሪ’ዚ ንመላእ ሱዳን ዘናዓዓበ ቅትለት ሰልፈኛታት፣ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ኣዋርሕ ምርጫ ከካየድ እኳ እንተወሰነ ህዝቢ ግና ስልጣን ምሉእ ብምሉእ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሰጋገርን፣ ሰራዊት ካብ ከተማታት ክስሕብን እዩ ዝጠልብ ዘሎ።

እዚ ሓድሽ ዝወዳደብ ዘሎ ኣድማ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከተማታትን ሱዳን ብምሸት ዝካየድ ኮይኑ ብዘይካ’ቲ ስልጣን ናይ ምስግጋግር ጠለብ ነቲ ብ3 ሰነ ዝተፈጸመ ቅትለት ሰልፈኛታት ውን ዝኹንን ምዃኑ እቶም ወደብቱ ይገልጹ።

እዚ ኣብ ከከባቢኻን ኣብ ቀንዲ ጎደናታትን ኮፍ ብምባል ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ኣድማ፣ ኣቐድም ኣቢሉ ክካየድ ተወጢኑ እኳ እንተነበረ፣ ወተሃደራዊ ቆንስል ኣገልግሎት ኢንተርነት ብምዕጻዉ፣ ህዝቢ ብማሕበራዊ መዲያታት ከምዘይራኸብ እዩ ኮይኑ።

ምልሻ ጃንጃዊድ ከም ስሩዕ ሰራዊት እታ ሃገር ብምዃን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ከቢድ ገበናት ፈጺሙ ተባሂሉ እዩ ዝኽሰስ ዘሎ። ዛጊት ብመርትዖታት ተረጋጊጹ ከምዘሎ፣ ልዕሊ 12 ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን፣ ሬሳታት ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ኣብ ፈለግ ናይል ምድርባይን ይርከብዎም።

ጉዕዞ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ቃራና መንገዲ ኣብ ዝርከበሉ ኣብዚ እዋን፣ ብመንጎኝነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም እውን ርኡይ ምዕባለ ኣየምጸአን ዘሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Mhreteab 5 years ago

    እሰያስ ክፉእ ክመኽሮም ስለ ዝክእል ወተሃደራዊ መንግስቲ ምስ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ክዝትን ክዛረብን ከፍቅድ የብሉን ህዝቢ ሱዳን። ዲክታተር ኢሰያስ ብዛዕባ እቲ ዝተወስደ ከቢድ ሂወት ዝወሰደ ቅትለት ንጹሃት ሰባት ዝምልከት ምስቲ ገፋዒ እዩ ክደናገጽ ተራእዩ።