ኢትዮጵያውያን ጠበቓታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮ-ቴሌኮም ክሲ ከቕርቡ’ዮም

Radio Erena: 19 June 2019

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ጉጅለ ጠበቓታት፣ ኣገልግሎት ቴሌኮሙኒኬሽን’ታ ሃገር ኢንተርነት ብምዕጻዉ፣ ክሲ ከቕርቡሉ ተዳልዮም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

እቶም ጠበቓታት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ኢትዮ-ቴለኮም እቲ ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ናይ ጽሑፍ ወይ text መልእኽቲን ንተኸታታሊ ሸሞንተ መዓልታት ምዕጻዉ፣ ብመሰረት ቅዋም’ታ ሃገር ሕጋዊ ዘይምዃኑ ንምርኣይ ዝዓለመ ሙዃኑ ገሊጾም።

እዚ ኣብ ቅንያት ናይ መልቀቒ ፈተና ዝካየደሉ እዋን ዝተቛረጸ ኣገልግሎት ኢንተርነት፣ ተመሃሮ ነቲ ናይ ፈተና ወረቓቕቲ ከይሰርቁን ከይቀባበልሉን ዝዓለም ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ኢትዮ-ቴለኮም ዝኾነ መብርሂ ኣይሃበሉን።

እቶም ጠበቓታት፣ ኢትዮ-ቴለኮም ኣገልግሎት ብውሑዱ፣ ኢንተርነት ብምዕጻዉ ናይ ዝወረደ ክሳራ ካሕሳ ክኸፍል ክሓቱ ምዃኖም እዮም ዝገልጹ።

ኢትዮጵያ ብዘይ ኢንተርነት ንሓደ መዓልቲ እንተውዒላ፣ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ዶላር ክሳራ የስዕበላ።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኢትዮ-ቴለኮም ዝርከቦም ዓበይቲ ትካላት መንግስቲ ናብ ናይ ውልቂ ወይ ከፊላዊ ብሕታዊ ትካላት ናይ ምግባረን መስርሕ ጀሚሩ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ኣሕመድ ሺደ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ናይ ቴለኮሙኒኬሽን ኣገልግሎት ዝህብ ትካል፣ ቅድሚ ናብ ከፊላዊ ናይ ብሕቲ ትካል ምስግጋሩ፣ ዘድሊ ዳግመ-ምትዕርራይ ክግበረሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብመሰረት’ዚ ወጺኡ ዘሎ መደብ፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ሽኮር ዘፍርያ ትካላትን እውን ምስዚ ናይ ቴለኮሙኒኬሽን ትካል፣ ብሕታውያን ውልቀሰባትን ትካላትን ዘውፍሩለን ጽላታት ክኾና እየን።

ኢትዮ-ቴለኮም 65 ሚልዮን ተገልገልቲ ዘለዉዎ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ተባሒቱ ዝጸንሐ ዓርሞሸሽ ናይ መራኸቢ ትካል እዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0