ኣል ሑቲ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ ደብዳብ ኣካዪዱ

Radio Erena: 19 June 2019

ኣል ሑቲ ናይ የመን ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካዪዱ።

እቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ስዑዲ ዝርከብ ኣብሃ ዝተባህለ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ከፊላዊ ዕንወት ከምዝወረዶ ክግለጽ እንከሎ፣ ኣብ ህወይት ሰብ ዘውረዶ ጉድኣት ዛጊት ኣይተሓበረን። እንተኾነ ልዕሊ 20 ሰባት መቑሰልቲ ወሪዱዎም ከምዘሎ ብኣል ሑቲ ዝውነን ቴሌቪዥን የመን ገሊጹ።

ነቲ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

ኣል ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዘካዪዶ ደብዳብ ናብ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ክብ ኣቢሉዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ናይቲ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ቀንዲ ምኽንያት፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ብዕለት 13 ሰነ ስዑዲ ኣብ ከተማ ሰንዓ ዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ግብረ መልሲ ሙዃኑ ይግለጽ።

ኲናት የመን ካብ ውግእ ሓድሕድ ሓሊፉ፣ ናይ ውክልና ውግእ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ተቐዪሩ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ዝሓለፈ ረቡዕ ኣልሑቲ ኣብ ከተማ ጂዛን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 26 ሰባት ከምዘቑሰለ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ’ዩ። ኣልሑቲ ብተወሳኺ፣ ጀሚሩዎ ዘሎ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን መጥቃዕቲ ክቕጽሎ ስለዝኾነ፣ ህዝቢን ሲቪል ሰራሕተኛታትን መዓርፎ ነፈርቲ ጥንቃቐታት ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

በዚ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ቀንዲ ተጠቃዕቲ ኮይኖም ዘለዉ ህጻናት ኣዴታትን፣ ከቢድ ናይ ዓጸቦ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ከምዘሎ ይግለጽ።

ሰይቭ ዘ ቺልድረን (save the children) ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብዉሑዱ ሓሙሽተ ሚልዮን ህጻናት ናይ መግቢ ሕጽረት ኣጋጢሙዎም ከምዘሎ ሓቢሩ። እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ፣ ደብዳብ ነፈርቲ፣ ጥሜት፣ ተላባዒ ሕማማትን ካልኦት ሳዕቤናት ኲናትን፣ ንሓደ ምሉእ ወለዶ ከጥፍኡ ከምዝኽእሉ ብምትሕስሳብ ክልቲኦም ወገናት ንመግብን መድሃኒትን ከም መሳርሒ ኲናት ከይጥቀሙሉ ኣተሓሳሲቡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0