ህወሓት፣ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ጻውዒት ኣቕሪቡ

Radio Erena: 19 February 2020

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፣ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 45 ዓመት ምምስራት ብረታዊ ቃልሲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ውድብ፣ ኣብቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕረቦ ጻውዒት፣ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣብ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ተዋግዮምን ተጋግዮምን ከምዘይፈልጡ ብምርግጋጽ፣ ብሓባር ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ንጨቛኒ ስርዓት ደርጊ ከምዝደምሰሱን ናይ ሓባር ዓወት ከምዝጨበጡን ኣዘኻኺሩ።

ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ቃልሲ ዝደፍአ መሰል ናጽነት ባዕሉ ከምዘረጋገጾ ዝጠቐሰ እቲ ጻውዒት፣ በዚ’ዝን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሕቡናት ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተኻየደ ዘይተደልየ ኵናትን ጎንጺን ዘየድሊ ዋጋ ከምዝተኸፍለ ብምግንዛብ እዚ ዝፈጠሮ በሰላ ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ናይ ሓባር ረብሓናን ታሪኻዊ ዝምድናናን ብምሕዳስ ሓበራዊ ዕቤት ናብ ምርግጋጽ ክነሰጋግሮ ደጊምና ንጽውዕ ክብል ህወሓት መልእኽቱ ደምዲሙ።

እቲ ውድብ ኣቐዲሙ’ውን ተመሳሳሊ ጻውዒት ከምዘቕረበ ዝዝከር’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ዘይወጸ ህወሓት ስዝሓንገደ’ዩ ክብል’ዩ ወቒሱ።

ሓደ ካብ ገዳይም ተጋልደቲ ህወሓትን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝነበረን ኣቶ ስዩም መስፍን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተዘከረ መበል 45 ዓመት ምምስራት ህወሓት ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ “ፕሬዝዳንት ኢሳይያስ ንፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት በቲኑ ከብቅዕ ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ልምዓትን ከምጽእ ኣይኽእልን” ክብል ብወገኑ ምላሽ ሂቡሉ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0