ህንዲ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ኣርባዕተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ 270 ሜትሪክ ቶን ናይ እኽሊ ረዲኤት ልኢኻ

Radio Erena: 28 October 2020

ህንዲ፣ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዘሎ ናይ መግቢ ቅልውላው ንምሕጋዝ ዝውዕል’ዩ ዝበለቶ ናይ 270 ሜትሪክ ቶን ረዲኤት ከምዝልኣኸት ኣፍሊጣ።

እቲ ብመርከብ ሓይሊ ባሕሪ ተላኢኹ ዘሎ ናይ መግቢ ረዲኤት፣ 155 ሜትሪክ ቶን ፊኖ፣ 65 ሜትሪክ ቶን ሩዝን 50 ሜትሪክ ቶን ድማ ሽኮር ምዃኑ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ፣ ንኤርትራ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ጂቡቲን ክዕደል ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

እታ መርከብ ብ24 ጥቅምቲ ካብ ወደብ ሙምባይ ተበጊሳ፣ ጽዕነታ ኣብ ወደባት ባጽዕ፣ ፖርት ሱዳን፣ ሞምባሳን ጂቡቲን ከተራግፍ’ያ።

ንእግረ መንገዳ ድማ፣ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ፣ ኣብዘን ሃገራት ተዓጊቶም ዝርከቡ ዜጋታት ህንዲ ናይ ምውጻእ መስርሕ ከተሳልጥ ተኽእሎ ከምዘሎ ተጠቒሱ ኣሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Berhane Haile 3 years ago

    ዘገርም ነገርዩ! 270 ሜትሪክ ቶን ነርባዕተ ሃገር ኢልካ ሓገዝ። ናብ ኣርባዕቲአን ምስ ተመቕለ ንሓንቲ ሃገር 900 ኩንታል ይበጽሓ። እዚ ድማ ሓደ ውልቀሰብ ክገብሮ ዝኽእል እዩ ነይሩ። ኣየ መንግስቲ ህንዲ!!