ፈረንሳ፣ ብሰንኪ ደግሲ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ንዳግማይ ምዕጻው ትዳሎ ኣላ

Radio Erena: 28 October 2020

ፈረንሳ፣ ብሰንኪ ደግሲ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዳግማይ ምዕጻው ክትእውጅ ትዳሎ ኣላ።

እታ ሃገር፣ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዛ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ምዕጻው ኣዊጃ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እኳ እንተልዓለቶ፣ ሓድሽ ማዕበል ኮረና ቫይረስ መዓልታዊ 10ታት ኣሽሓት ሰባት የጥቕዕ ብምህላዉ፣ ካብ ጽባሕ ሓሙስ 29 ጥቅምቲ፣ ኣትሒዙ፣ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ዳግማይ ምዕጻው ንምእዋጅ ትዳሎ ዘላ።

ይኹን’ምበር እቲ ምዕጻው ንኣብያተ ትምህርቲ ዝምልከት ኣይኮነን።

ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት፣ ብዝሒ ብኮረን ቫይረስ ናይ ዝልከፉ ሰባት ናብ 52 ሽሕ ምድያቡ ዘሻቐሎ መንግስቲ፣ ህጹጽ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራትን ኣማኸርቲ ጥዕናን ብምክያድ’ዩ ነዚ ኣዋጅ ከሕልፍ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ።

ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ጥዕና እታ ሃገር መግለጺ ንምሃብን ናይ ምዕጻው ኣዋጅ ንምትሕልላፍን፣ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፣ ሎሚ ረቡዕ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት መግለጺ ክህብ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ናብ ትሕቲ 300 ወሪዱ ዝነበረ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ክንክን ዝኣተዉን ናይ ምስትንፋስ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኣስታት 3 ሽሕ ተጸጋጊዑ ይርከብ።

ብዘይካ’ዚ መዓልታዊ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ዘለዉ ብዝሒ ሰባት ናብ ኣስታት 300 ዓሪጉ ኣሎ።

ብጠቕላል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ዝመዝገበት ፈረንሳ፣ ብገምጋም ኣስታት 19% ካብቲ 68 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝባ፣ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ’ዩ ዝብል እምነት ኣለዋ።

ኣቐዲሙ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጁ ዝጸንሐ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ንኣስታት 4 ሰሙን ዝጸንሕ ናብ ምሉእ ሃገራዊ ውሸባ ወይ ምዕጻው ክሰጋገር ምዃኑ እኳ እንተተመልከተ፣ እቲ ኣዋጅ ክሳብ ሓድሽ ዓመት ክናዋሕ ተኽእሎ ከምዘሎ’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ርእይቶታቶም ይህቡ።

ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ንፈረንሳ ጥራይ ዘይኮነ፣ እስራኤልን ኣየርላንድን ንዝርከብአን ሃገራት ናብ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ኣምሪሑወን’ዩ።

ኣብ ኤውሮጳ ናብ ዳግማይ ምዕጻው ዝተመልሰት ሃገር ኣየርላንድ’ያ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0