ህላዌ ባሕርያ ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ንእስራኤል ስግኣት ፈጢሩላ

Radio Erena: 07 July 2022

ኢራን፤ ህላዌኣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንምዕባይ ኣብ እትሰርሓሉ ዘላ እዋን፤ ተወሰኽቲ መራኽብ ኲናት ምውፋራ ኣቓልቦ እስራኤልን ምዕራባውያን ሃገራትን ክስሕብ ምጅማሩ ተገሊጹ።

ማዕከናት ዜና እስራኤል ብዘቃልሖኦ ዘለዋ ዜና መሰረት፤ ኢራን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣዋፊራተን ዘላ መራኽብ ኲናት፤ ንእስራኤል ጸጥታዊ ስግኣት ይኾና ምህላወን ሓቢረን።

ሚኒስተር ምክልኻል’ታ ሃገር ቤኒ ጋንትስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ብፍላይ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ናይ ስለያ መራኽብ ኲናት ኢራን ከምዝተዋፈራ ዝሕብር ጭብጢ ኣኪብና ኣለና ክብል ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢላ ኣብቲ ዞባ ዝነበረት ናይ ኢራን መርከብ ‘ጽገና ክግበረላ’ ብዝብል ምኽኒያት ምስ ተኣለየት፤ መተካእታኣ ዝተዋፈረት መርከብ ኲናት፤ ምሉእ ናይ ስለያ ዕጥቅን ኣጽዋርን ዝዓጠቐት እያ ክብል’ዩ እቲ ሚኒስተ ምክልኻል ዝገልጽ።

ኣብ ጂቡቲ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ፤ ነታ መርከብ ኣቐዲሙ ኣለልዩዋ’ኳ እንተጸንሐ፤ ንካልኦት ሃገራት ሓበሬታ ኣይሃበን ክትብል እስራኤል ትወቅስ።

ኢራን ንግዳዊ መራኽባ ንምሕላው ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሽዱሽተ መራኽብ ኲናት ከተዋፍር እንከላ፤ እስራኤል ብወገና፤ ህላዌ ኢራን ኣብቲ ዞባ፤ ጸጥታዊ ስግኣት ጥራይ ዘይኮነ፤ ናይ ባሕሪ ንግዳዊ ንጥፈታታ እውን ኣብ ሓደጋ ምህላዉ እያ ትገልጽ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0