ሄሊኮፕተራት ኵናት ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ 42 ሶማላውያን ስደተኛታት ከምዝቐተላ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena: 20 March 2017

42 Somali

ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ናይ ልንፍቲ ሰራዊት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘያከዶ ናይ ሄሊኮፕተር ደብዳብ፣ ኣብ ጃልባ ዝነበሩ 42 ሶማላውያን ከምዝቐተሉ ተሓቢሩ።

እቲ ናብ ቀዳም18 መጋቢት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ልዕሊ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብዎም ተራ ስደተኛታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ክብል መንግስቲ ሶማል ኮኒንዎ ኣሎ።

እቶም ሶማላውያን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ናይ የመን ወደብ ሖዴይዳ፣ ከባቢ ባብ ኤልመንደብ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን፣ ካብ ሄሊኮፕተር ብዝተወንጨፈሎም ሮኬታትን ጠያይትን’ዮም ሃሊቖም።

እቶም ኣብ የመን፣ ኣብ ጽላል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ስደተኛታት ሶማል፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሖደይዳ ናይ የመን ናበይ የምርሑ ከምዝነበሩ ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ናብ ዓዶም ናብ ሶማል ወይ ከኣ ናብ ሱዳን ንምስጋር መደብ ከምዝነበሮም’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

መንግስታት የመንን ሶማልን፣ እቲ መጥቃዕቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ናይ ልፍንቲ ሰራዊት ወሽመት ዓረብ ከምዝፈጸሞ ይወቕሱ እኳ እንተለው፣ ኣብ የመን ናይ ነፈርትን ኣጋር ሰራዊትን መጥቃዕታት ዘካይዳ ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ ትኹን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኮነ ምላሽ ኣይሃባሉን።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0