ኤርትራ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይፈጸሙ ዜጋታት ኣብ ስራሕ ኣዋፊረን ዝተባህላ ንኣሽቱ ትካላት ይዕጸዋ

Radio Erena: 20 March 2017

Asmara Shops

መንግስቲ ኤርትራ፣ ዓበይቲ ይኹና ንኣሽቱ ናይ ብሕቲ ትካላት፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይፈጸመ ወይ ከኣ ናይ መጣየሰ መረጋገጺ ንዘየምጽአ ሰብ፣ ኣባ ስራሕ ከየዋፍራ፣ ድሕሪ ዘሕለፎ መጠንቐቕታ፣ ሓያሎ ንኣሽቱ ትካላት ከምዝዓሸገ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣባላት ስድራቤታቶም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይፈጸሙን ብዝብል ምኽንያት ኣብ ከተማ ከረን፣ ብውሕዱ ክልተ ኣብያተ መግቢ ክዕሸጋ እንከለዋ፣ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን’ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ዝተዓጽዋ ሓያሎ ትካላት ከምዘለዋ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

እቲ መንግስቲ፣ ብዘይካ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጉዳይ፣ ብብልሽውናን ካልእን እናሳበበ፣ ሓያሎ ትካላት ኣብ ምዕጻውን፣ ንወነንተን ከኣ ኣብ ምእሳርን ከምዝርከብ፣ ንባዕሉ ኣብ ተኣሲሩ ዝነበረን፣ ወናኒ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሓደ ፍሉጣት ኣብያተ መግቢ፣ ኣብዚ ቀረባ ናብ ስደት ድሕሪ ምምሪሑ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣረጋጊጹ።

 ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ናይ ምዕያይ ዓቕሚ ዝርከብ ኤርትራዊ ብምሉኡ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዱ ስለዝርከብ፣ ስድራቤታት ብናይ ሕሰም መነባብሮ ይግረፋ ምህላወን ዝፍለጥ’ዩ።

ዝበዝሑ መንእሰያት’ውን፣ ዕድምኦም ቁምነገር ኣብ ዘይብሉ፣ ግዱድ ዕስክርና ካብ ዝባኽን ናብ ስደት ክውሕዙ’ዮም ዝርአ’ዩ።

ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ከምዘሎ ዝኽሰስ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዙ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይፈጸሙ ወይ ከኣ ናይ መጣየሰ መረጋገጺ ዘየምጽኡ፣ ቃል ኪዳን ከይኣስሩን፣ ካብ ምምሕዳር ከተማ ናይ ቃል ኪዳንን ይኹን ናይ ዕለተ ልደት መረጋገጺ ምስክር ወረቐት ክይወሃቦም ዝእግድ ሓድሽ ኣዋጅ ምውጽኡ’ውን ዝፍለጥ’ዩ።

 

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0