መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ ኣብታ ሃገር እቲ ዝበለጸ ቅዲ ኣከዳድና ዝኽተል ተባሂሉ ብወግዒ ተሰይሙ

 Radio Erena: 20 March 2017

Kim Jong Un

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፣ ኣብታ ሃገር እቲ ዝበለጸ ቅዲ ኣከዳድና ዝኽተል ተባሂሉ ከምዝተሰየመ ወግዓዊ መግለጺ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ብሰነት 19 መጋቢት ዝወጸ መግለጺ፣ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ነዚ ኽብሪ ን20 ዓመታት’ዩ ሒዝዎም።

ወዲ 33 ዓመት ኪም ጆንግ ኡን፣ ብዘይካ’ዚ፣ እቲ ዝመልክዐ መራሒ፣ እቲ ዝሓየለ መራሒ፣ ብፍልጠት ዝወዳደሮ ዘየብሉ መራሒ፣ ብህዝቢ ካብ ዝፍተዉ መራሕቲ ዓለም ቀዳማይ፣ ብደቂንስትዮ ፍቱው…..ወዘተ ዝብል ናይታ ጸብለልታ ማሕበራዊ ክብርታት ብወግዒ ብሒቱ ይርከብ።

ምስ ስሙ ምድንጋር ከይፈጥር ተባሂሉ’ውን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ከም ናቱ ተመሳሳሊ ስም ዘለዎም ሰባት ስማቶም ብወግዒ ክቕየሩን፣ ብሕጂ ዝውለዱ ከኣ ከም ናቱ ስም ከይወሃቦም ከምዝኣገደ’ዩ ዝንገር።

ኪም ጆንግ ኡን፣ ድሕሪ ሞት እቲ ን14ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኣብኡ ኣብ 2011 ናብ መሪሕነት ከምዝመጸ ይፍለጥ።

ቅድሚ ኣብኡ ነታ ሃገር ኣባሓጉኡ’ውን ንኣስታት 50 ዓመታት መሪሑዋ’ዩ።

ሰሜን ኮርያ ካብ 1948 ኣትሒዛ፣ ን69 ዓመታት ብሰለስተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ጥራይ’ያ ተመሪሓ።

እዛ ኑክሌር ዝርከቦ ዓርሞሽሻዊ ወትሃደራዊ ንዋት እትውንን ሃገር፣ ካብ ጎረቤታ ደቡብ ኮርያን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ብዝምጽወተላ ረድኤት’ያ ትናበር።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0