UPDATED: ሃ/ጋ ኤርትራ፣ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2017  ትሳተፍ፣ ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮን ደቂንስትዮን ክሮኖሜተር ወርቂ ትሽለም

UPDATED: ሃ/ጋ ኤርትራ፣ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2017 ትሳተፍ፣ ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮን ደቂንስትዮን ክሮኖሜተር ወርቂ ትሽለም

Radio Erena: 14 February 2017

Cycling22

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ሎሚ ሰሉስ 14 ለካቲት ኣብ ዝጅምር ናይ 2017 ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ (African Continental Cycling Championships) ትሳተፍ ኣላ።

ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ ኣብ ዝተዛዘመ 57.8 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ውድድር ግዜ፡ ብመንገዲ ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄር፡ ሜሮን ተሾመ፡ ዓወት ሃብቶምን ሜሮን ኣብርሃምን፡ ቀዳመይቲ ብምውጽእ፡ ንሻብዓይ ዓመት ኣከታቲላ፡ ሻምፕዮን ውድድር ክሮኖሜትር ኣፍሪቃ ኮይና። 

ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ኣል-ኡቕሱር፣ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብዝገብርዎ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ (ክሮኖሜትር) ውድድር ዝኽፈት ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ እትርከበን 25 ሃገራት’የን ዝወዳደራ ዘለዋ።

ካብ ዝሓለፈ ጥሪ 24 ጀሚራ ኣብ ጽዑቕ ናይ ልምምድ ግዜ ተጸሚዳ ዝጸንሐት፡ ብቀዋሚ ኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ካብ ደቂተባዕትዮ፡ ተስፎም ዑቕባማርያም ፡ ኤልያስ ኣፈወርቂ (ወዲ ቐሺ)፣ ሜሮን ተሾመ፣ ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄር፣ መትከል ኢዮብ፣ ዮናታን ሃይሉ፣ ሜሮን ኣብርሃምን ዓወት ሃብቶምን ሸሞንተ ተቐዳደምቲ’ያ ኣሰሊፋ።

ኣብ ናይ ደቂኣንስትዮ ድማ ሞሳና ደበሳይ፣ ወጋሕታ ገብረሂወት፣ ወሓዚት ኪዳነን ብስራት ገብረመስቀልን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪለን ክቀዳደማ’የን።

ነዘን ኣርባዕተ ደቂንስትዮ ዘሰለፈት፡ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ደቒ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ሎሚ ሰሉስ 14 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ፡ 41.8 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዝነበሮ ናይ ግዜ ውድድር፡ ሻምፕዮን ውድድር ክሮኖሜትር ኣፍሪቃ ኮይና ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ ኮይና።

Cycling 2

ናይ 2017 ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፣ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት፣ ሰንበት 19 ለካቲት ክዛዘም’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (UCI)፡ ናይ ወርሒ ለካቲት ደረጃታት ጋንታታት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝዘርገሓሉ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብ1564 ነጥቢ ቀዳመይቲ ተሰሪዓ።

ንኤርትራ ስዒበን ሞሮኮን ኣልጀርያን ካልኣይትን ሳልሰይትን ደረጃታት ክሕዛ እንከለዋ፣ ኣብ ናይ ውልቂ ተቐዳደምቲ ድማ፣ ኤርትራዊ ተስፎም ዑቕባማርያም ብ400 ነጥቢ ንተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ ብምብላጽ ቀዳማይ ተሰሪዑ ኣሎ።

ኣልጀርያዊ ዓድል ባርባሪን ሞሮካዊ ሶፍያን ሃዲን ድማ፡ ብልዕሊ 100 ነጥቢ ለጠቕ ኢሎም ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ንተስፎም ይስዕብዎ።

======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0