ኣውፈርቲ ቀጠር ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ወፍሪ ዕድላት የናድዩ

Radio Erena: 14 February 2017

Qatar Investors

ኣውፈርትን ነጋዶን ቀጠር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ወፍሪ ዕድላት ንምንዳይ ዝዓለመ ዑደት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዶም።

ብዋና ኣካይዲ ስራሕ ናይቲ ብ’ኤዝዳን’ ዝፍለጥ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት ቀጠር፣ ሸኽ ዶክተር ኻሊድ ቢን ኣልታኒ ዝምራሕ ጉጅለ ኣውፈርትን ነጋዶን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳልኝን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ኣብ ናይ ወፍሪ ዕድላት ተዘራሪቡ።

ኢትዮጵያ፣ ንኣውፈርትን ነጋዶን ቀጠር ሰፊሕ ዕድላት ክትከፍት ድልውቲ ምህላዋ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብቲ ርክብ ገሊጹ።

ንኣውፈርትን ነጋዶን ቀጠር መሪሑ ናብ ኢትዮጵያ ዝተጓዕዘ ሸኽ ኣልታኒ ብወገኑ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ገዚፍ ወፍሪ ንምትእትታው መደብ ከምዘለዎም ብምጥቃስ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ንዝገብረሎም ምትሕብባር ኣቐዲሙ ኣመስጊኑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ወፍሪ ዕድላት ንምድህሳስ ናብታ ሃገር ምብጻሕ ካብ ዝፈጸሙ ሓለፍቲ ኩባንያታት ቀጠር፣ ኣካየድቲ ስራሕ ‘ኤዝዳን’ ምህናጽ ናይ ትካላት ኣባይትን ሆቴላትን፣ ኩባንያ ‘ሜዲኬር’ ከምኡ ድማ ኩባንያ ኤንጂኔሪንግ ‘ሳክ’ ይርከብዎም።

ኣካያድቲ ስራሕ ናይዘን ዓበይቲ ኩባንያታት ቀጠር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸምሉ፣ ኣምባሳደር ቀጠር ኣብታ ሃገር ናስር ሳልማን ኣል ማሊክ ከምዘሰነዮ ካብ ኣዶሓ ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

===================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0