ሃ/ ጋ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣብ ውድድር ግዜ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ፡ ብክልቲኡ ጾታታት ቀዳመይቲ ብምዃን ወርቂ ተሸሊማ

Radio Erena: 14 February 2017

Cycling

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ሎሚ ሰሉስ 14 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ፡ ውድድር ግዜ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ፡ ብክልቲኡ ጾታታት ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ ኮይና።

ኣብ ሰዓታት ረፋድ፡ ተቐዳደምቲ ሞሳና ደበሳይ፡ ወጋሕታ ገብረሂወት፡ ወሓዚት ኪዳነን ብስራት ገብረመስቀል፡ 41.8 ኪሎ ሜትር ንምሽፋን ኣብ ዘገብርኦ ቅድድም፡ ነዚ ርሕቐት ብ1 ሰዓት፡ 1 ደቒቕን 55 ካልኢታትን ብምዝዛም፡ ኣብ 2013 ንዝፈጽምኦ ቕያ ሻምፕዮን ደጊመንኦ።

ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ብ10 ካልኢታት ድሒራ ካልአይቲ ክትወጽእ ከላ፡ ግብጼ ድማ፡ 1 ደቒቕን 42 ካልኢታትን ተፈንቲታ ሳልሰይቲ ኮይና ኣትያ።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝቕጸለ፡ 57.8 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ኣብ ዝነበሮ ናይ ደቂተባዕትዮ ውድድር፡ ብሜሮን ተሾመ፡ ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄር፡ ዓወት ሃብቶምን ሜሮን ኣብርሃምን ዝተወከለት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንተኸታታሊ ሻብዓይ ዓመት ሻምፕዮን ውድድር ግዜ ኣፍሪቃ ኮይና።

ብቀዋሚ ኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን ተመሪሓ ወርቂ ሜዳልያ ንዝተሸለመት ኤርትራ ስዒበን፡ ሃገራውያን ጋንታታት ኣልጀርያን ርዋንዳን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን።

ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ድሕሪ ጽባሕ ሓሙስ ብናይ ውልቂ ውድድር ግዜ ክቕጽል እዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0