“ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ፣ ናይ ግዜ ገደብ ከይተገብረሉ ይቕጽል ኣሎ፣” ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

“ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ፣ ናይ ግዜ ገደብ ከይተገብረሉ ይቕጽል ኣሎ፣” ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል

Radio Erena: 03 December 2015

Mili

ኣውራ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን ምዃኑ ዝዝረበሉ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ናይ ግዜ ገደብ ከምዘይተገብረሉ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ ኣብ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ዝርከቡ ኣምባሳደራትን ካድራት ህግደፍን፣ እቲ ካብ 1996 ኣትሒዙ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትር ናብ 18 ኣዋርሕ ተመሊሱ ኣሎ ዝብል መግለጺታት ኣብ ዝህብሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

 

ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ’ውን ምስ ወከል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝዘራረብሉ እዋን፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብዚ ቀረባ ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ምዃኑ’ዮም ክሕብሩ ጸኒሖም።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ “ብሰንኪ ኵናት ምስ ኢትዮጵያ ንዘይተወሰነ እዋን ተመጢጡ ኣሎ፣” ዝብሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክምለስ ምዃኑ ብወግዒ ኣይሓበረን።

ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምግታእ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ክልግስ ምዃኑ ኣብ ዝሓበረሉ፣ ሓደ ካብቲ ዝተላዕለ ነጥብታት ጉዳይ’ቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ፖለቲካዊ ዑቕባ ካብ ዝሓተዉ ዘለው ኤርትራውያን እቶም ዝበዝሑ ዘቕርብዎ ምዃንያት፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና’ዩ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ሶርያን ኣፍጋኒስታንን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝስራዕ ኣምነስ ኢንተርናሽናል ኣብቲ ብሓደ ታሕሳስ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0