ጅቡቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ካብ ዘለወን ሃገራት ምዃና ተሓቢሩ

ጅቡቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ካብ ዘለወን ሃገራት ምዃና ተሓቢሩ

Radio Erena: 04 December 2015

Obama

ጅቡቲ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት ዝለዓለ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዘለዋ ሃገር ምዃና መጽሔት ዠን ኣፍሪክ ሓቢሩ።

ጅቡቲ፣ መራሕቲ ቱርኪ፣ ኢትዮጵያ፣ ጃፓን፣ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን፣ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ቻይና፣ ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ ከተንእግድ እንከላ፣ ፕረዚደንት’ታ ሃገር እስማዒል ዑመር ጉለ ከኣ ኣብ ኣመሪካ፣ ቻይና፣ ፈረንሳ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ቀጠረን ካልኦት ሃገራትን ዑደት ብምክያድ ምስ መራሕተን ዝርርብ ምክያዱ እታ መጽሔት ጠቒሳ።

 

ኣብ ኣፍሪቃ ካብተን ዝናሳን ዝወሓደ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ጅቡቲ ምስተን ብቁጠባን ወትሃደራውን ሓያላትን ጸለወትን ዝብሃላ ሃገራት ዓለም ጥቡቕ ዝምድና ክህልዋ ዝኽኣለ ሳላ’ቲ ዘለዋ ስትራቴጂኣዊ ኣቐማምጣ’ዩ።

ጅቡቲ ምስ ሃገራት ምዕራብን ርሑቕ ምብራቅኝ ዘለዋ ዝምድና ብዝያዳ እናተረረ ክመጽእ እንከሎ፣ ምስታ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ዝንገረላ ቀጠር ግና ብጉዳይ ኤርትራ ሓርጎጽጎጽ ይርኣዮ ከምዘሎ’ውን እታ ብቋንቋ ፈረንሳ እትሕተም መጽሔት ኣረዲኣ።

ቐጠር ንጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን ንምሽምጋል ተበግሶ ካብ ዝወሰደትሉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሽዱሽተ ዓመቱ ዝኾነ እወታዊ ውጽኢት ክርከቦ ብዘይምኽኣሉ፣ መንግስቲ ጅቡቲ ኣብቲ ናይ ሽምግልናን ዕርቕን መስርሕ ዝነበሮ እምነት ከምዝማህመነ ፕረዚደንት እስማዒል ጉለ ኣቐዲሙ ምስታ መጽሔት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ጎረቤት ጅቡቲ ዝኾነት ኤርትራ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ስታራቴጂያዊ ቦታ ትውንን ክነሳ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ’ያ ተሰሪዓ ትርከብ።

ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ መራሕቲ ይኹኑ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይተን ናይተን ብቁጠባን ወትሃደራውን ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ኣብ ርእሲ ዘይምህላዎም፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ውን ካብ ዝኾነ ርክባት ተገሊሉ’ዩ ዝርከብ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ መራሕቲ ሱዳን፣ ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን እንተዘይኮይኑ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝምድናታት ኤርትራ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ኣብ ውስጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ወጻኢ ርክባት ከምዘየካየደ ሰነዳት የመልክቱ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0