ብዝሒ ኣብ ሖሎት ናይ ዝቕየዱ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ናብ ልዕሊ 3 ሽሕ ክብ ክብል’ዩ

ብዝሒ ኣብ ሖሎት ናይ ዝቕየዱ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ናብ ልዕሊ 3 ሽሕ ክብ ክብል’ዩ

Radio Erena: 03 December 2015

Holot

እስራኤል፣ ኣብቲ ብክፉት ቤት ማእሰርቲ ዝፍለጥ ሖሎት ናይ ዝቀየደቶም ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ብዝሒ ናብ 3,360 ክብ ክብል’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሖሎቶ ተቀይዶም ናይ ዘለዉ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ 2,500 ክኸውን እንከሎ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ’ዮም።

ድሕሪ’ቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ሖሎት ተታሒዞም ዝጸንሑ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 1178 ሓተቲ ዑቕባ፣ ክልቐቑ’ኳ እንተኸኣሉ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ሓደሽ ኣዋጅ ብምውጻእ፣ ንመብዛሕቶም ኣብ ሃገር ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ቤት ማእሰርቲ ንምእታዎም ይሰርሕ ምህላዉ ይፍለጥ።

 

መንግስቲ እስራኤል ሓድሽ ኣዋጅ ድሕሪ ምውጽኡ ጥራይ ኣስታት 2 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሖሎት ክኣትዉ እንከለዉ፣ ኣብዘን ዝቕጽላ ሰሙናት ከኣ እቲ ቁጽሪ ናብ ልዕሊ 3 ሽሕ ክበጽሕ’ዩ።

ክፉት ቤት ማእሰርቲ ሖሎት፣ ኣስታት 3,300 ሓተቲ ዑቕባ ንኽሕዝ ዝተሃንጸ ኮይኑ፣ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ወይ ድማ ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ክኸዱ ፍቓደኛታት ምዃኖም እንተዘይከቲሞም ንክልተ ዓመታት ከምዝእሰሩ ይፍለጥ።

ኩሎም’ቶም ናብ ሖሎት ክኣትዉ ብመንግስቲ እስራኤል ዝተኣወጀሎም ሓተቲ ዑቕባ፣ ኣብ ዝተባህሎም ግዜ ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ እንተዘይተረኺቦም፣ ካብኡ ናብ ዝገደደ ሳህሮኒም ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ክቐይዱ ከምዝኽእሉ ይንገር።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ዝርከቡ 880 እሱራት ብምሉኦም ሓተቲ ዑቕባ’ዮም።

ኣብ እስራኤል 44 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ክህልዉ እንከለዉ፣ እቶም 73 ሚእታዊት ኤርትራውያን’ዮም። እቶም 19 ሚእታዊት ዜጋታት ሱዳን ክኮኑ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ከኣ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ’ዮም።

ኣብዘን ዝሓለፋ 11 ኣዋርሕ፣ 2,900 ሓተቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ክወጹ እንከለዉ፣ በንጻሩ ከኣ ዳርጋ ኩሎም ዜጋታት ሱዳን ዝኾኑ 216 ሓተቲ ዑቕባ ናብታ ሃገር ኣትዮም።

==============================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0