UNHCR፣ ኣብ ትግራይ ናብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ክበጽሓሉ ዝኽእል መንገዲ ክኽፈተሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲቱ

Radio Erena: 04 December 2020

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፣ ኣብ ትግራይ ናብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ክበጽሓሉ ዝኽእል መንገዲ ክኽፈተሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቲቱ።

ኣፈኛ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ባባር ባሎሽ፣ ካብ ጀኔቫ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ፣ ብዘይ መግቢ፣ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኣስታት 96 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብህጹጽ ዝሕገዝሉ መንገዲ ኣብ ምንዳይ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብዘይ እኹል መግብን ማይን፣ ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ ተቐርቒሮም ይርከቡ።

ካብኡ ዝበኣሰ፣ ድሕነት ጸጥታኦም ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ብምህላዉ፣ ዕጡቓት ናብቲ መዓስከራት ከም ድላዮም እናኣተዉ፣ ዝደለይዎ ይግበሩ ምህላዎም እቶም ስደተኛታት ይገልጹ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽባጻሕ፣ ምስ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሳልስቲ ስምምዕ ኸቲሙ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ መስርሕ መዓስ ከምዝጅምርን ኣበየናይ ከባቢታት ብዝያዳ ከምዘተኩርን ብዝርዝር ኣይተጠቕሰን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪ 3 years ago

    መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣበይ ምስከደ ድኣ እዩ ኩነታት ጸጥትኦም ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዝብሃለለይ። ትማሊ ትማሊ ዶ ኣይኮነን ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ዶኦክተር ደብረጽዮን፡ ጻውዒት ንምክልኻልን መናእሰያትን ኤርትራ ጻውዒት ዘቕርብ ኔሩ። ሕጂ ድማ ተስፋ’ገብር ዶተረ ቃሎም ኣየዕብሩን ይኾኑ። ዋላ ኣብታ ዘለዉዋ ጉድጓድ ሃገረ-ሰላም ኮይኖም ጸጥታ ናይቶም ዝጸውዕዎም ክሕልዉ።
    ባይቶ ይኣክል ኤርትራውያን ድማ ሃየ፡ ኣብ ጎዳጉዲ ሃገረ-ሰላም ከይድኩም ነዚ ጉዳይ ብህጹጽ ፍታሕ ክትገብሩሉ፡ ከይውዓልኩም ከይሓደርኩም ድማ፡ ብውሕዱ ሰለስተ ገጽ ዝሓዘ መግለጺ ኣውጻኡ።