ቻይና፣ 350 ወትሃደራት ናብ ደቡብ ሱዳን ኣዋፊራ

Radio Erena: 04 December 2020

ቻይና፣ 350 ወትሃደራት ናብ ደቡብ ሱዳን ከምዝልኣኸት ኣፍሊጣ።

እቲ ናብ ደቡብ ሱዳን ኣትዩ ዘሎ ናይ ኣጋር ኣሃዱ ቻይና፣ ኣካል እቲ ኣብታ ሃገር ዝተዋፈረ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ኮይኑ፣ ንሓደ ዓመት ክጸንሕ’ዩ።

እቲ ሰራዊት፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ኣብ ምርግጋእ ጸጥታ፣ ምሕላው ድሕነት ሰለማውያን ሰባትን ካልእ ተልእኾታት ምዕቃብ ሰላምን ክዋፈር’ዩ።

ቻይና፣ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ’ውን፣ ተመሳሳሊ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን ከተዋፍር ምዃና ገሊጻ ኣላ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0