UNHCR፣ ብጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ

UNHCR፣ ብጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ

Radio Erena: 09 February 2018

israel

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፣ ብጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ ከምዘሎ ማዕከን ዜና ታይምስ ኦፍ እስራኤል ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ኣብቲ ምስ መንግስቲ እስራኤል ዘካይዶ ዘሎ ዝርርብ፣ እስራኤል ንገለ ክፋል እቶም ስደተኛታት ሕጋዊ ኣፍልጦን ዑቕባን ክትህቦም፣ ነቶም ዝተረፉ ድማ UNHCR ናብ ካልእ ዝያዳ ውሕስነት ዘለወን ሃገራት ከሰጋገሮም ዝብል ይርከቦ።

ወኪል UNHCR ኣብ እስራኤል ሻሮን ሃረል፣ ከምዚ ዓይነት ምርድዳእ ክግበር ከምዝከኣል ብምግላጽ እቲ ዝርዝራት ገና ክስርሓሉ ከምዘድሊ ኣገንዚባ።

 

ንሳ፣ ብዝሒ ናይቶም እስራኤል ዑቕባ ክትህቦም ዝሕተተሎም ዘለዉ ስደተኛታት ይኹን ክጣየሱለን ተኽእሎ ዘሎ ካልኦት ሃገራት ኣይነጸረትን።

እንተኾነ ምስ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ከምዚ ዓይነት ስምምዕ ክብጻሕ እንተተኻኢሉ፣ ነቶም ስደተኛታት ይኹን ንመንግስቲ እስራኤል ብማዕረ ሩፍታ ዝፈጥር’ዩ ክትብል ኣስሚራትሉ።

ማዕከን ዜና ታይምስ ኦፍ እስራኤል ብዛዕባ’ዚ ኣብ መንጎ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ብዝምልከት ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዘካየዶ ፈተነ ከምዘይሰለጦ ይጠቅስ።

መንግስቲ እስራኤል ኣስታት 20 ሽሕ ንዝግመቱ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክወጹ ወይ ድማ ንዘይተወሰነ እዋን ክእሰሩ ናይ 60 መዓልታት ግዜ’ዩ ሂቡ ዘሎ።

ስደተኛታት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ግዱሳትን ከኣ፣ ንውሳኔ መንግስቲ እስራኤል ብምቅዋም፣ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ናይታ ንዝስጎጉ ስደተኛታት ክትቅበል’ያ እትብሃል ዘላ ርዋንዳ ብምትእኽኻብ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0