ሱዳን ናብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ዞባ ከሰላ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ኣዋፊራ

ሱዳን ናብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ዞባ ከሰላ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ኣዋፊራ

Radio Erena: 09 February 2018

sudan

ሱዳን ናብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ዞባ ከሰላ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ከምዘዋፈረት ንመደበር ቴሌቪዥን ኣሽሩቕ ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣምሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኣደማ ጃማ፣ እቲ ኣብ ካርቱም ተዋፊሩ ዘሎ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ፣ ኣብ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብን ኣጽዋርን ከምኡ ድማ ዘይሕጋዊ ንግዲን ሃለኽቲ ነገራትን ክነጥፍ’ዩ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣቐዲሙ ዝተዋፈረ ሰራዊት ውሕስነት ጸጥታ ዶባት ከረጋግጽ እንከሎ፣ እዚ ሕጂ ተላኢኹ ዘሎ ሓይሊ ፖሊስ ከኣ ንውሽጣዊ ኩነታት ዞባ ከሰላ ክቆጻጸር ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ሱዳን፣ ካብ 5 ጥሪ ኣትሒዛ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ብምዕጻው፣ ናብቲ ዞባ ሰራዊታ ኣዋፊራ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

ሱዳን ናብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ተዋሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ተዋፍር ዘላ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ምስ ኩለን ጎረባብቲ ብዶባት ዝካየድ ሕጋዊ ንግዲ ክቕጽል ኣብ ዝኣዘዘሉ ዕለት’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0