IFADን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝውዕል ናይ 32.1 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ከቲሞም

Radio Erena: 07 December 2016

Fisheries

ኣህጉራዊ ምወላ ንሕርሻዊ ልምዓት (IFAD)፣ ኣብ ምምዕባል ምግፋፍ ዓሳ ዝውዕል ናይ 32.1 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ስምምዕ ከምዝኸተመ ተገሊጹ።

እቲ 15 ሚልዮን ዶላር ካብ ኣህጉራዊ ምወላ ንሕርሻዊ ልምዓት ዝተሰልዐ ክኸውን እንከሎ፣ 5.9 ሚልዮን መንግስቲ ጀርመን፣ 7.9 ሚልዮን ግሎባዊ ምስላጥ ኣከባቢ፣ 1.4 ሚልዮን ውድብ መግብን ሕርሻን፣ እቲ ፍርቂ ሚልዮን ከኣ ሕቡራት ሃገራት ዝሰልዕዎ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ዝተረፈ ኣስታት 2.7 ሚልዮን ዶላር ከኣ መንግስቲ ኤርትራን ተጠቐምቲ ባዕላቶምን ክምልእዎ ምዃኖም’ዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ኣህጉራዊ ምወላ ንሕርሻዊ ልምዓት ትማል ሰሉስ 6 ታሕሳስ ካብ ሮማ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ነቲ ስምም፣ ምክትል ፕረዚደንት እቲ ትካል ሚሸል ሞርዳሲኒን ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢጣልያን ኣብ ሮማ ናይ ዝርከባ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ኣቶ ፍስሓጽዮን ጴጥሮስን’ዮም ከቲሞሞ።

እቲ ስምምዕ ኣብ ዝተኸተመሉ፣ ሚኒስተር ሕርሻ ኤርትራ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ’ውን ከምዝነበረ መግለጺ እቲ ትካል የመልክት።

እዚ ካብ 2016 ክሳብ 2023 ዝቕጽል ፕሮጀክት ኣብ ሽዱሽቲኡ ዞባታት ኤርትራ ንዝርከቡ ኣስታት 17 ሽሕ ስድራቤታት ክሕግዝ ትጽቢት ከምዝግበረሉ’ውን ይጠቕስ።

መንግስቲ ኤርትራ ንጽላት ምግፋፍ ዓሳ ብዙሕ ቆላሕታ ስለዘይገበረሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ልዕሊ 1 ሽሕ ኪሎሜተር ዝግምገም ባሕሩ ከምቲ ዝድለ ክረብሓሉ ከምዘይክኣለ ይፍለጥ።

IFAD ካብ 1995 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ናይ 124.3 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክታት ከምዘሰላሰለ’ዩ ዘመልክት።

ሃገራት ኤውሮጳን መሻርኽቶምን፣ ካብ ኤርትራ ንዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ልምዓት ፕሮጀክታት ናይ ምትግባር መደብ ከምዘለወን ብተደጋጋሚ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ ኣውራ ጠንቒ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልኪን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብምዃኑ፣ ኣብ ኤርትራ ዝህንጽ ፕሮጀክታት ይኹን ናይ ልምዓት መደባት ነቲ ዋሕዚ ደው ከብሎ ከምዘይኮነ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የረድኡ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0