ቻይና፣ 120 ተወሰኽቲ ወትሃደራት ናብ ደቡብ ሱዳን ትልእኽ

Radio Erena: 08 December 2016

China ar

ቻይና ከም ኣካል ናይቲ ኣቐዲማ ናብ ደቡብ ሱዳን ዘዋፈረቶ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፣ ተወሰኽቲ 120 ወትሃደራት ናብታ ሃገር ከምዝልኣኸት ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እታ ሃገር፣ ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ዝሕቆፍ ኣስታት 700 ወትሃደራት ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣዋፊራ ኣላ።

ካብ ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ቻይና እታ ዝበዝሐ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣዋፊራ ዘላ’ያ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣስታት 12 ሽሕ ወትሃደራት ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ክህልዉ እንከለዉ፣ ጸጥታ እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ከውሕሱ ግና ከምዘይክኣሉ ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0