FIFA-ኤርትራ ኣብ መበል 195 ደረጃ ተሰሪዓ

ኣህጉራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ማለት ፊፋ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ደረጃ ሃገራት ኤርትራ ኣብ መበል 195 ተሰሪዓ።

 

ፊፋ ኣብቲ ን205 ሃገራት ኣብ ሚዛን ብምቕማጥ ዘስፈሮ ሓድሽ ደረጃታት፣ ሕጂ’ውን ስጳኛ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ኣይቮሪኮስት ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ እንከላ ብደረጃ ዓለም ግና ኣብ መበል 19’ያ ተሰሪዓ።

ንኣይቮሪኮስት ተኸቲለን ዝሓሸ ደረጃ ሒዘን ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ጋና ኣብ መበል 24 ኣልጀርያ ኣብ መበል 28 ናይጀርያ ድማ ኣብ መበል 36’የን።

እታ ንደቡብ ኣፍሪቃ ገሊፋ ኣብ ብራዚል ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም 2014 ግጥማት ኣውዲቓ ምሕላፍ ሰጊራ ዘላ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ድማ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ደረጃ ብትሽዓት ብምምሕያሽ ኣብ መበል 93 ተሰሪዓ ኣላ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ እታ ዝሓሸ ደረጃ ዘመዝገበር ሃገር’ያ።

ብህድማ ተጻወቲ ዝተዳኸመ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ካብ ዞባዊ ግጥማት ወጻኢ ካልእ ኣብ ዝኾነ ኣህጉራዊ ግጥም ናይ ምስታፍ ዕድል ኣይረኸበን።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0