ኣባላት ሃገራዊ ዋዕላ ንዘተ የመን፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክፍትሑ ጸዊዖም

256 ኣባላት ሃገራዊ ዋዕላ ንዘተ የመን ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ንኽልቐቑ ፕረዚደንት ዓብዲ ሮቦ መንሱር ሓዲ ሕጋውያን ዲፕሎማስያውን ጻዕርታቱ ከሐይል ጸዊዖም።

 

እቲ ኣብ ሓያሎ እዋናዊ ጉዳየት የመን ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳያት እቲ ተኣፋፊ ኮይኑ ዘሎ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገርን ምስግጋር መንግስትን ክዝቲ ዝቖመ ሃገራዊ ዋዕላ ንዘተ፣ ኣብ ናይ ዝሕእለፈ ኣጀንድኡ ካብ ዘልዓሎም ነጥብታት፣ መንግስቲ የመን ንጉዳይ እቶም ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ኣለዉ ዝበሎም የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሓሉ ጠሊቡ።

ድሕሪ’ቲ ኣባላት ሃገራዊ ዋዕላ ንዘተ የመን ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን መሓመድ ሳሊም ባሲንደዋ ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ኣቶ መሕእመድ ሓማድ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ከምዘዘራረቦ ብሬድዮ ኤረና ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ሃገራዊ ዋዕላ ንዘተ ኣብቲ ናብ ፕረዚደንት የመን ኣቕሪብዎ ዘሎ ጠለብ፣ እቶም ንነዊሕ እዋን ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክፍትሑን ካሕሳ ክወሃቦምን ተማሕጺኑ።

ኣብ ኤርትራ ህይወቶም ናይ ዝሓለፈ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ’ውን ሬስኦም ናብ ስድራቤታቶም ንምምላስ መንግስቲ የመን ክደፍኣሉ ሓቲቱ።

እቲ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብቲ ናብ ፕረዚደንት የመን ዝልኣኾ ደብዳቤ ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ኤርትራ 420 የመናውያን ተታሒዞም ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ተጸሚዶም ከምዘለዉን ብምዝኽኻር፣ ብምልኦም ክፍትሑን ድሕሪ ደጊም ድማ ኣብ ክሊ ማያት የመንን ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ክስተት ከየጋጥምን መንግስቲ የመን ነባሪ ፍታሕ ከናዲ ተላብዮም።

ብወገን መንግስታት ኤርትራ የመንን ኣብዚ ነጥቢ ዘተኮረ ዝርርብ ይካየድ እኳ እንተኾነ፣ ዝርዝር ናይቲ ዘካየድዎ ዝርርብ ግና ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

ብፍላይ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቲ ብወገን የመን ዝቐረብ ዘሎ ተደጋጋሚ ክሲ ኣምልኪቱ ዝኾነ ሓበሬታ’ውን ኣይሃበሉን።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0